ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ተንቀሳቓሲ ቤተ መፃሕፍቲ ተኸፊቱ


Ethiopia Reads (ኢትዮጵያ ተንብብ) ዝተባሃለ ትካል ዘጣየሹን ዝመርሑዎን ኣይተ ዮሃንስ ገ/ጊዮርጊስ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ፈላሚ ተንቀሳቓሲ ቤተ መፃሕፍቲ ሰንበት 16 ነሓሰ ኣመሪቖም ኣለው

እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ብኣድጊ ዝጉተት ኮይኑ ኣብ በብገዛውቱ ህዝቢ መፅሓፍቲ ብናፃ ከንብብ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ሰንበት ነሓሰ 16 ኣብ ከተማ መቐለ ሰገናት ዝተሰየመ ቤተ ንባብ ህፃውንትን መናእሰይን ተኸፊቱ’ሎ፡፡ ኣይተ ዮሃንስ “ምምሕዳር ከተማ መቐለ ነቲ ቤተ ንባብ ዝኸውን ገዛ ብነፃ ተዘይፈቅድ ኣይምተኸፈተን ነይሩ ስለዚ ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ብፍላይ ንከንቲባ ፍስሃ ዘሪሁን ልዑል ክብርን ምስጋናን ኣለኒ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዕለተ ኣሸንዳ ብኣይተ ዮሃንስ ዝተሰናደአ እንታይነት ባህላዊ ፀወታ ኣሸንዳ ዘላሊ “ኣሸንዳ” ዝተሰየመ መፅሓፍ’ውን ተሓቲሙ ን5000 ቆልዑ ኣሸንዳ ብነፃ ተዓዲሉ እዩ፡፡

ኣይተ ዮሃንስ ገ/ጊዮርጊስ ኣብ ከተማ መቐለ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ደብርን ፍረስውኣትን ቤተ መፃሕፍቲ ከምዘጣየሹ ይፍለጥ፡፡

XS
SM
MD
LG