ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተምሃሮ መቐለ ንመምርሒ መንግስቲ ተቓዊሞም


ኣብ ትግራይ ኣብ ውልቃውን መንግስታውን ኮለጃት ብመደብ ዲፕሎማ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ መንግስቲ ንዘሰናደኦ ቅድሚ ምምራቖም ዝዋሃብ መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት ተቓዊሞም

እቶም ሰልጠንቲ “ቅድሚ ምምራቕና ፈተና መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት ከምንወስድ ኣፉን ዕርበቱን ክንምረቕ ክልተ ቕነ ምስቀረየና እዩ ተነጊሩና” ይብሉ፡፡ እቲ ዘወፀ ሕጊ ድማ ሎሚ እዩ ወፅዩ ተመሊሱ ንድሕሪት ክሰርሕን ንዓና ከገድድን ኣይግባእን’ውን ይብሉ፡፡

ኣብ ትግራይ ሓላፊ ማእኸል መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት ኣይተ ዘነበ ካሕሳይ እቲ መምርሒ ብ1999 ዓ/ም ዝወፀን ካብ 2001 ኣትሒዙ ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎን እዩ እንትብሉ ተዛሪቦም፡፡ “የግዳስ በቲ ዝወፀ መምርሒ እቶም ተምሃሮ እዮም ዝጥቀሙ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ዲፕሎማ መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት ዘይወሰደ ንመደብ ዲግሪ ክቕፅል ኣይኽእልን፡፡ እቲ መደብ ድማ መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት እምበር ፈተና መሕለፍን መውደቕን ኣይኮነን” ኢሎም፡፡

እቲ መመዘኒ ሞያዊ ብቕዓት ሰብ ዋና ውልቀ ኮለጃት እውን ኣይተቐበልዎን፡፡

ሎምዘበን ኣብ ትግራይ ካብ ውልቃውን መንግስታውን ኮለጃት ልዕሊ 5000 ተምሃሮ ብመደብ ዲፕሎማ ሰልጢኖም ኣለው፡፡

XS
SM
MD
LG