ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዝህነፁ ሆስፒታላት ይውስኽ’ሎ


ኣብ ቤን መስከረም ሆስፒታል ላዕለዋይ መራሒ ሕክምናዊ ዋኒን ዶ/ር ኪዳኑ እስጢፋኖስ ዝኾነ ይኹን ማእኸል ሕክምና ንምኽፋት ሰለስተ መመዘኒ ረቑሓትት ኣለዉ። ሕክምና መውሀቢ ዝኸውን እኹል ህንፃ፣እቲ ትካል ክህቦ ዝግባእ ግልጋሎት፣ ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ሕይሊ ሰብን ሕክምንዊ ናውትን እዩ ይብሉ።

ብመሰረት እዚ ዛጊድ ኣብ ከተማ መቐለ ብተግባር ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመሩ ክልተ ሆስፒታላትን 20 ላዕለዎት ክሊኒካትን ኣለዉ። ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እውን ናብ ሆስፒታል ብርኪ ዝዓብዩ ማእኸላት ሕክምና ኣለዉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ኩሎም ዞባታት ክሊኒካት ዘይብላ ዞባ የላን ኢሎም ዶ/ር ኪዳኑ።

ቤን መስከረም ልዕል ዝበሉ ሕክምናዊ ምርመራ ሓውሱ ግልጋሎት ምርመራ ካንሰር፣ ቅፅበታዊ ድኻም ልቢ፣ ሕፈስ፣ መኻንነት ከምኡ ድማ መጥባሕትን ሕክምና ስንን ካልኦትን ይህብ።

ዶ/ር ሓደ ካብቶም ኣብ ኢትዮዽያ ዘለዉ ውሱናት ሰብ ሞያ ላዕለዎት መጥባሕቲ እንትኾኑ ኣብ ትግራይ ካልኣይ ሰብ ዘይብሎም ብሕታዊ ባዓል ሞያ እዮም። ብፍላይ ፈጋር ክንፈርን ታሕናግን፣ ብተፈጥርኡ ዝጎደለ ኣካል ወይ ዝተጨምደደ ምዕራይ ዘካተተ ሕክምና ይህቡ።

ዶ/ር ኪዳኑ እዚ ክእለቶም እዚ ኣብ ማእኸል ሕክምናዊ ትምህርቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብደረጃ ምረቓን ድህረ ምረቓ ንምሃብ ሓሲቦም ኣለዉ።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG