ናብ ደደቢት ካብ ዝወፈሩ 11 ፈላሞት ተጋደልቲ ህወሓት ሓደ ዝኾኑን አብዚ ሕዚ እዋን ድማ አባል ፈፃሚ ስራሕ ተቋዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይን ዝኾኑ አቶ አስገደ ገብረስላሴ፣ ጋህዲ አብ ዘርእስቱ ዝፀሓፍዎም ተኸታተልቲ መፃሕፍቲ ሽም አቶ ብስራት አማረ አፀሊምካ ብዝብል አብ ከተማ መቐለ ኣብዝርከቡ ክልተ አብያተ ፍርዲ ዓቀብቲ ሕጊ ኸሲሰምዎም ነይሮም።
ቤት ፍርዲ ኸአ ካብ ዝተመስረቶም ስም ናይ ምጥፋእ ወይ እውን ጽቡቅ ስም ናይ ምጽላም ክሲ ነጻ ኢኹም ኢሉዎም ኣሎ።
ሽመይ ጠፊኡ ኢሎም ነቲ ኽሲ ዘበገስዎ ተጋዳላይ ህውሓት ዝነበሩ ኣቶ ብስራት ኣማረ እቲ ዝተውሃበ ብይን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፍትሒ ሽግር መርኣያ ስለዝኾነን ክብረይ ዝትንክፍ ነባራይ ዝኾነ መፅሓፍ ስለዝኾነ ክሳብ መወዳእታ ይግባይ ክብል እየ ይብሉ።
ብዓል ሙያ ሕጊ ኣቶ ተመስገን ተካ ኩሉ ዓይነት መፀለምታ ኣየኽስስን ይብሉ።እቲ ዝተብሃለ ነገር ሓቂ እንተኾይኑን ኣየቕፅዕን በሉ’ሞ ናይ ውልቂ ወይ’ውን ቤትሰብ ሓበሬታ ዘውፅእን ንህዝቢ ዘይጥቅምን እንተኽይኑ ግን ክጋዋሕ የብሉን ይብሉ ኣቶ ተመስገን ተካ።
ምሉእ ትሕዝቱኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ