ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ዓለም-ለኸ ዋዕላ ፍልፍልን ምዕቃብን ሃፍቲ ማይ ተኻይዱ


ካብ 18 ሃገራት 220 ሙሁራት ተሳቲፎም

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ኣብ ቤልጅየም ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት ብምትሕብባር ከካይዱዎ ዝፀንሑ ብዋንነት ኣብ ዘላቒ ሃፍቲ ማይ ዝተመስረተ መፅንዕትን ምርምርን ሎምቕነ ዕላዊ ኮይኑ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ካብ 18 ሃገራት 220 ሊቃውንቲ መፅዮም ተሳቲፎም እዮም። 140 ውፅኢታት መፅናዕቲ ድማ ቀሪቦም።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ መፅናዕትን ምርምርን ብወገን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዘተሓባብሩዎ ዘለዉ ዶ/ር ካሳ ኣማረ “ቀንዲ ዕላማ እቲ ውዕላ እቲ ብምሁራት ዝተኻየደ መፅናዕቲ ምእንታን ናብ ባይታ ኽወርድ ምስ ሓረስቶት ዘተ ንምክያድ ዝተሕሰበ እዩ” ይብሉ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕርሻዊ ማእቶት ዝወፈሩ 40 ኣብነታውያን ሓረስቶት ኣብቲ ዋዕላ ተርኺቦም ብልምዲ ንዓመታት ዝኣክል ዝጥቀምሎም ሜላታት ኣቕሪቦም ምስቶም ምሁራት ተመኩሮ ተለዋዊጦም እዮም።

XS
SM
MD
LG