ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣደ ቀሲና’ መሐብሐቢ ህፃውንቲ ኣብ ከተማ መቐለ


ማእከል ህፃናት መቀለ
ማእከል ህፃናት መቀለ
ኣብ ትግራይ 6 ሰብ ሞያ ጥዕና ዘጣየሸኦ ‘ኣደ ቀሲና’ ዝተሰየመ ፈላሚ መፅንሕን መሐብሐብን ህፃውንቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣጣይሸን ኣለዋ፡፡ እቲ ማእኸል ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ንዘለዎም ህፃውንቲ ጥራሕ ይቕበል፡፡

መታሓባባሪት እተን ነርስታት ሲስተር ኣስኳል ገብረህይወትእቲ ትካል ብሰብ ሞያ ኣደታት ዝተጠናኸረን ብፍላይ ንፅሬትን ኣመጋግባን ልዑል ውሕስነት ዝሃበን እዩ ይብላ፡፡

ሲስተር ብርሃን ወልደስላሰ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዝተፀመዳ ኣደታት ኣብ ክንደአን ኮይኑ ቆልዑ ዘፅንሐለን ስለዘይረኽባ ኣዝየን ስለዝፅማ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተኸፈተ ማእኸል እዩ ኢለን፡፡

ኣደ ቀሲና ማእኸል መውዐሊ ህፃውንቲ ብዘመናዊ መልክዑ ንህፃውንቲ ዘድሊ ቀረብን ናውትን ዘማለአ እዩ፡፡ እቲ ማእኸል ቆልዑ ወጋሕታ ሰዓት ሓደ ተቐቢሉ ክሳብ ኣጋምሸት ሰዓት 12 የፅንሕ፡፡ እተን ሰብ ሞያ ንኣደታት ግልጋሎት ምኽሪ ብምሃብ እውን ይሕግዛ፡፡

ጓል ወደን ናብቲ ማእኸል ዘእተዋ ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሰ “ጎቦ ልብኻ ከይኮንካ ኣብ ዋኒንካ ክትውዕል ዘኽእል ማእኸል እዩ፤ ናይ እማን ኣደ ቀሲና” ኢለን ኣለዋ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:43 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG