ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ሸቂልና ንነብረለን ካሩሳ ታዓጊተናና ዝበሉ ወነንቲ ምሒር ፀጊሙና’ሎ ኢሎም


ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩን ቁፅሮም 134 ምዃኖም ዝሓበሩ ወነንቲ ካሩሳ ኣብ ዘይዋዓልናዮ ከሳሲና ብዘይፍለጥ ሰሪሕና ንበልዐሉ ንብረትና ታዓጊቱ ካብ ከቢድ ፀገም ንርከብ ብምባል ይጠርዑ።

ኣይተ ኣፅብሃ ልበሎ “ካብ ኤርትራ ተፈናቒለ ምስ መፃኹ ቅድሚ ዓሰርተ ዓማውቲ ዘስራሕኹዎ ካሩሳ እዩ ተታሒዙኒ ዘሎ፤ በዚ ድማ 9 ቆልዑ ሒዘ ኣፍራሰይ ንማዓልቲ 50 ቕርሺ እናዋፃኹ ይቕልብ ኣለኹ” ይብሉ።

ኣይተ ተስፋይ ገብረኣነንያ ብወገኖም “እቶም ካሩሳ ዝኣሰሩለይ ሰባት ካብ ሓፂን ፓሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተሰርሐ ይመስል ብዝብል ብግምት እዮም ወሲኖምለይ ይብሉ፤ ሸቂለ ስድራይ ክቕልብ ስለዘይካኣልኩ ድማ ዓራተይ ክሳብ ምሻጥ በፂሐ ኣለኹ” ኢሎም።

መንእሰይ የማነ ገብሩ “መንግስቲ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ብእዋኑ ኣፃርዩ ዕልባት ክይህበና ብሎሚ ፅባሕ እናመላለሱ ገልታዕታዕ የብሉና ኣለዉ፤ በፂሑና ዘሎ ፀገም ዝርድአልና ሰብ ስኢንና ኣለና” ብምባል ጥርዓኑ የቕርብ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣታሓባባሪ ጉጅለ ምኽባር ፀጥታ ኮማንደር ገብረ ሂወት ካሕሳይ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ጥርዓን መልሲ ሂቦም ኣለዉ።

“ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከብ ሓይሊ ዘመሓላልፍ ሓፂን ፓሎ ብለይቲ እናተሰረቐ በዚ ድማ ምቁርራፅ መብራህቲ እናጓነፈ ህዝቢ ተፀጊሙ ፀኒሑ እዩ። ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታን ሰብ ሞያ ሓይሊ መብራህቲ ዘፅንዑዎን እቲ ዝተሰረቐ ንብረት ንመስርሒ ካሩሳን ማዕጾን መሻኹትን ይውዕል ምህላዉ ተረዲእና። ብመሰረት እዚ ብዝገበርናዮ ጎስጓስ ካፍቲ ንብረት ዝተሰርሓ ካሩሳ ሒዝና ኣለና” ኢሎም።

ብምቕፃል ከም መጠን ፖሊስ ኣፃሪና ናብ ዓቃቢ ሕጊ ኣሕሊፍና ኣለና ደጊም እቲ ስልጣን ናይ ዓቃቢ ሕግን ቤት ፍርድን እዩ ዝኸውን ብምባል መልሲ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ኣብያተ ፍርዲ ብምኽንያት ክረምታዊ ዕረፍቲ ሓምለ 7 ታዓፅዮም ኣለዉ፤ መስከረም 7 ድማ ይኽፈቱ።

XS
SM
MD
LG