ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ሓሙሽተ ዓውድታት ስራሕ ስርዓት ምምሕያሽ ከምዝገበረን ለውጢ ድማ ይምዝገብ ምህላዉን ኣፍሊጡ ‘ሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ሕግን ናጻ ንሕንሕ ስርዓት ንግዲ ንኽህሉን ኣከፋፍላ ግብሪ ንኽፀፍፍን ዘካየዶ ወፍሪ ጽቡቕ ለውጢ ከምዘርአየ ይገልጽ፡፡
“ኣብ መቐለ ግብሪ ንእግዚሄር ዝፈረሐ ዝኸፍለሉ ዘይፈረሐ ድማ ከም ድላዩ ዝኸደሉ እዩ ነይሩ” ኢሎም ከንቲባ ንጉሰ ገብረ፡፡
እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ደንገርገርን ጭንቕንቕን ምባል ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝሐሸ መልክዑ ዝተረጋገአ እኳ እንተኾነ ሐዚ እውን ግና ቀጻሊ ፃዕሪ ይሓተና እዩ ይብሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ንጉሰ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ምሕደራ መሬት፣ ምንቅስቓስ ኣናእሽተይ ትካላት ንግድን ኣብ ቴክኒክን ሞያን ዝግበር ድጋፍን እውን ስርዓት ምምሽያሽ ተተግቢሩ እዩ ኢሎም ከንቲባ ንጉሰ፡፡
“ስርዓት መረዳእታ ምጽፋፍ (cash register ምትእትታው) ንመንግስቲ ጥራሕ ተይኮነስ ንቲ ነጋዳይ እውን እዩ ዝጠቅም፤ ግብሪ ብግምት ተይኮነስ ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ተመስሪቱ ንክኸፍል ይሕግዞ” ኢሎም እቶም ከንቲባ፡፡
ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ