ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ተኻይዱ


ፋይል
ፋይል

ናይ ኢትዮጵያ ሓሙሻይ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፈደረሽን ሳልሳይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘመን መኽፈቲ ሓባራዊ አኼባ ሎሚ ተኻይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ዝሓለፈ ዓመት 10.9 ሚእታዊት ዕብየት ኢኮኖሚ ምምዝጋቡ ገሊጾም።

ክልቲኡ ባይቶታት ናይ ስራሕ ዓመቶም ዝጅምሩ ዘለው ወሃቢ ቃል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ አቶ አባዱላ ገመዳ ኣብ ሓላፍነተይ ንምቅጻል ድልየት የብለይን ክብሉ ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

እቲ አኼባ ክልቲኡ ባይቶታት ዝጀመረ ነቶም ኣብ ጎንጺ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ዝሞቱ ሰባት ንምዝኻር ናይ ሕልና ጸሎት ብምግባር’ዩ።

ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ነቲ ጎንጺ ብምጥቃስ መንግስቲ ጸጥታ ኣብ ምኽባር ንተሓታቲ ወገን ናብ ሕጊ ንምቅራብ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። ህዝቢ ምምሕዳር እተን ክልላት’ውን ክተሓባበር ጸዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስማዕ ይክኣል።

ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፈደረሽንን ኢትዮጵያ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

XS
SM
MD
LG