ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

` ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ካብ`ቲ ዘእተዋ ቅልውላው ከውጽኣ ብቕዓት የብሉን` መድረኽ


መድረክ
መድረክ

ተቓዋሚ ውድብ መድረኽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ሓደጋ ከምትርከብ ይገልጽ። ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ፡ ንኢትዮጵያ “ሓድነታ ኣብ ዝፈታትን ቕልውላው ኣእቲዩ፡ ህዝብታት ነንሕድሕዶም ዝጋጨውሉ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ፡ በዚ ድማ ሃገርናን ህልውናናን ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣእቲዩ ናብ ዘይድለ ኣንፈት ይወስዳ`ሎ” ይብል እቲ ተቐዋሚ ውድብ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣቦ-መንበር መድረክ ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ፡ ኢህወደግ ብዝወስዶ ድራማታት ሕቶታት ህዝቢ“ ክምልስ ኣይክእልን`ዩ " ይብሉ።

“እዚ ኩነታት ጭራሽ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኾይኑ`ዩ።ስለዚ ኩሎም ይምልከተና`ዩ ዝብሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ብፖለቲካ ዝተወደቡ ኣካላት ክስምዑን ክላዘቡን ይግባእ። ኢህወደግ ነዛ ሃገር ካብዚ ዘላቶ ከውጽኣ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት`ዩ፡ ህዝብና በዚ ከይዘናጋዕ ንምዝኽኻር ኢና ነዚ መግለጺ ኣውጺእናዮ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG