ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝወስዶም ዘለው ስጉምትታት ሽብርተኝነት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ሓደ ኣመራርሓ መድረኽ ስግኣቶም ገሊፆም


ኢህወደግ ነዚ ተዋስኦ ንምስራሕ ዝተገደደ ንመድረኽን ኣባል ውድባቱን ካብ ህዝቢ ንምንፃል ሓሲቡ እዩ ይብል መግለፂ መድረኽ

መንግስቲ ዝወስዶም ዘለው ገለ ስጉምትታት ሽብር ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ከምዝሰግኡ ሓደ ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ገሊፆም።መድረክ ንተቓወምቲ ብናይ ሓሶት ገበን ምኽሳስን ንህዝቢ ምሽባርን ደው ይበል ክብል ፀዊዑ።

ኢህወደግ ነዚ ተዋስኦ ንምስራሕ ዝተገደደ ንመድረኽን ኣባል ውድባቱን ካብ ህዝቢ ንምንፃል ሓሲቡ እዩ ይብል መግለፂ መድረኽ።

ኣባል ኣመራርሓ መድረኽ ዶ/ር መረራ ጉዲና ከምዝበልዎን መድረኽ ብፅሑፍ ኣብ ዘውፅኦ መገልፅን ከምዝዘርዘሮን ነዚ ኣበሃህላ እዚ ዝድግፍ እኹል መርትዖ ኣሎ።ሎሚ ኢህወደግ ብግብረሽበራ ዝኸሶም ዘሎ መራሕቲ ገለ ውድባት ትማሊ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰላማዊ ቓልሲ ዘካይዱ ዝነበሩን ምስ ኢህወደግ ዝበለፀ ምቅርራብ ዝነበሮምን እዮም ይብሉ።

ዶ/ር መረራ ብኣፅንኦት ከምዝገለፅዎ መድረኽን ኣባል ውድባት መድረኽን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብ ተግባራት ግብረሽበራ ኣይዋፈሩን።

ዴሞክራሲያዊ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ንኽዕምብቡ፡ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ንኽካየድ ምግባር፡ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ሕጊ ንክኽብር ምርግጋፅን፡ብናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሃብቲ ዝንቀሳቐሱ መራኸቢ ብዙሃን ንኹል ክፉት ንክኾኑ ክፈቅድን ዶ/ር መረራ ኢህወዴግ ብዛዕባ ክወስዶም ዝግብኡ ስጉምታት ዘርዚሮም።

ኢህወደግ ይኹን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ እቶም ብገበን ግብረሽበራ ዝተኸሰሱ፡ኣባላት መድረኽን ንሕጋዊ ውድባት ከም ሽፋን ብምጥቃም ምስ ኣሸበርቲ ውድባት ስለዝተሓባበሩን ስለዝሰርሑን እዮም ይብሉ።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜንዊ ኣብ ሓደ እዋን ‘’ቓወምቲ ፓርትታት ጉልባብ ሓይልታት ፀረ ሰላም ኮይኖም ሕገ መንግስቲ ምስ ዘውሐሶም ሰላማዊ ኣገባብ እናሓዋወሱ ክነብሩ ከምዘይክእሉ ክፈልጡ ይግባእ።’’ኢሎም ነይሮም።

መደረኽ ኣብቲ ብፅሑፍ ዘውፅኦ መግለፂ ኢህወዴግ ጠንካራ ተቓወምቲ ኢዮም ወይ’ውን ክኾኑ እዮም ንዝብሎም ንናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተፈላልለዩ ሽማት ብምልጣፍ ካብ ሕጋዊ መድረኽ ከውፅኦም ዝጀመረ ገና ካብ ብጚሓቱ ስልጣን ምስጨበጠ እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG