ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ


መራሕቲ መድረክ
መራሕቲ መድረክ
ተቓዋሚ ውድብ መድረኽ ዝፀወዖ ህዝባዊ ኣኼባ ዕላምኡ ማኒፌስቶ ወይ ድማ መትከላት እቲ ውድብ ንህዝቢ ንምልላይ ምዃኑ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ገሊፁ’ሎ፡፡ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህልው ኩነታት ብምግምጋም ነቶም ፀገማት መፍትሒ እዩ ዝበሎ መማረፂ ኣቕሪቡ ተሳተፍቲ ተዛትዮሉ፡፡

ኣቦወንበር እቲ ውድብ ኣይተ ጥላሁን ዳሻው ኣብ ኢትዮጵያ መላኺ ስርዓት ጠፊኡ’ሎ ኢልና ኣይንኣምንን ምኽንያቱ ህንፀት ሕብረ ፓርትያዊ ስርዓት ተኾሊፉ እዩ ኢሎም፡፡

ምክትል ኣቦወንበር መድረኽ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም ኣብ መትከላት ማሕበረ ቁጠባ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዋጅ ክራይ መሬት ጠመተ ሂቦም ተዛሪቦም፡፡ “መንግስቲ መሬት ናተይ እዩ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝስራሕ ገዛ እዩ ናትኩም ይብለና ‘ሎ፤ እዚ ኻዓ ኣንፃር ሕገ መንግስቲ ሃገርናን ኢትዮጵያ ዝተቐበለቶም ዓለምለኸ ስምምዓት ሰብኣዊ መሰልን እዩ” ኢሎም፡፡

ምክትል ኣቦወንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ብመሰረት ዓንቀጽ 42 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሬትካን ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ሊዝ ወይድማ ብኽራይ ኣይወሃብን፤ ህዝቢ መሬት ብዘይ ክራይ እዩ ክረክብ ዘለዎ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ደገፍትን እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐረበ መትከል ተወሳኺ ርኢቶ ሂቦምሉ፡፡ዝበዝሑ ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ማዘጋጃ ቤት ዝተኻየደ ኣኼባ መናእሰይ እዮም ነይሮም፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:07 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG