ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረክ ‘ቅትለት ኣብ ክልል ኦሮምያ ደው ይበል’ ኢሉ፣ መንግስቲ ድማ ‘ሓይልታት ጥፍኣት ዝኾኑ ተቃወምቲ’ዮም ተሓተቲ’ ይብል


‘ንሕጋዊን ሰላማዊን ተቃውሞ ብሓይሊ ንምዕጋት ይፍጸሙ ዘለው ዓፈናን መቅተልቲን ደው ይበሉ፣ ኣብ’ቲ ገበን ንዝተሳተፉ ድማ ናብ ፍርዲ ይቅረቡ’ ይብል ተቃዋማይ ፓርቲ መድረክ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሞት’ቶም ዜጋታት ተሓታቲ ‘ሓይልታት ጥፍኣት’ ኢሉ ንዝጸወዖም ተቃወምቲ’ዩ። ኣብ ዝቀረባ መግለጺ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ዕጡቃት ተሳተፍቲ’ቲ ሁከት፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ጸጥታን ካልኦትን ጉድኣት ኣውሪዶም’ዮም’ ምባሎም ይዝከር።

ብዛዕባ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተኸሰተ ህውከት ሎሚ መግለጺ ዘውጽአ መድረክ ‘ብሰላማዊ ኣገባብ ሕቶ ምቅራብን ምቅዋምን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተጻሕፈ'ዩ፣ ንማስተር-ፕላን ኣዲስ ኣበባ ምቅዋም ኣካል’ዚ መሰል’ዩ፣ መንግስቲ ግና ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ወሲዱ’ ኢሉ።

ኣቦ-መንበር መድረክ ፕሮ. በየነ ጴጥሮስ ‘ቅድሚ ኩሉ ዘይተመጣጠነ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንዜጋታትና ይቀትል ስለዘሎ ደው ክብል ኣለዎ። ቅተሉ ኢልና ኣየዋፈርናን በሃልቲ እንተኾይኖም ድማ፣ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ኣካል ናብ ፍርዲ ይቅረብ’ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ጠንቂ’ቲ ህውከት ነታ ሃገር ናብ ዝፈለየሉ ቅልውላው ንክትኣቱ ዝምነዩ ሓይልታት ጸረ-ሰላም’ዮም ይብል።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ኩሉ ዓይነት ሕቶ ብሰላማዊን ሕጋዊ ኣገባብ’ዩ ክቀርብ ዘለዎ፣ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ህውከት ድማ ኢድ ሓይልታት ጥፍኣት ዝነበሮ’ዩ’ ኢሎም።

መድረክ ኣብ መግለጺኡ፣ ፖለቲካዊ ኣንፈት ኢትዮጵያ ብተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ጥራሕ’ዩ ዝውሰን ንዝብል ናይ ገለ ሓይልታት እምነት መድረክ ከምዝቃወሞ 'ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG