ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንፀት ግድብ ኣባይ ብደረጃ መትከል ቅቡል'ዩ ግን ሃገራዊ ምርድዳእ ይቀድም ይብል መድረኽ


ኢህወደግ ኣብ ክንዲ ንስምረት ንምፍልላይ ህዝቢ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ'ውን ይብል መድረኽ

ህንፀት ግድብ ኣባይ ብደረጃ መትከል ተቀባልነት ኣለዎ ዝብል ደንበ ተቃወምቲ መድረኽ፣ቅድሚኡ ግና ሃገራዊ ምርድዳእ ክስራዕ ኣለዎ ኢሉ። መለስካቸው ኣምሃ ንዝላኣኾ ሪፖርት በትረ ስልጣን ከቅርቦ‘ዩ፣

ናይ ሽዱሽተ ፓርቲታት ስምረት ዝኾነ መድረኽ ብፅሑፍ ኣብ ዝተበተኖ መግለፂ፣መሰረታዊን ንመሰረታዊ ረብሓ ኢትዮዽያ ኣብ ግምት ንዘእተወ መደብ ልምዓት ኣይቃወምን ይብል።

ንመርገፂ መድረኽ ንከብርሁሉ ብቴሌፎን ሪኢቶኦም ዝሃቡ ኣቦመንበር መድረክ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣

”ህንፀት ግድብ ኣባይ ዝህልዎ ትርጉም ዓብዪ‘ዩ።ንፀጥታ፣ንልምዓት፣ንምዕባለን ንዲፕሎማስን ዘለዎ ትርጉም‘ውን ከምኡ።ስለዚ ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ናይ ኩሉ ዜጋ ምትሕብባር ከድልዮ‘ዩ።ኢህወዴግ ግና፣ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘተሓባብር ንክፈላሊ‘ዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ።ንኣባይ ወሲኽካ ኣብ‘ዛ ሃገር‘ዚኣ ክህነፁ ዝግበኦም ዓበዪቲ ፕሮጀክታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ስምረት መላእ ህዝቢ ኣገዳሲ‘ዩ።ስለዚ ኣብ ኢህወዴግ መሰረታዊ ለውጢ ክራኣይ ኣለዎ ኢና ንብል ዘለና” ኢሎም ኣቶ ገብሩ ኣስራት።

ኣብ መንግስታዊ ሚድያታት መዓልታዊ ከምዝስማዕ ዘሎ እንተኾይኑ፣ህዝቢ ንህንፀት ግድብ ኣባይ ደገፉ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይገልፅ‘ሎ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG