ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንሕገ መንግስቲ ዝጣሓሰ ስለዝኾነ ብህጹጽ ደው ይበል’ ኢሉ መድረክ


Federal Map Ethiopia
Federal Map Ethiopia

መድረክ ብምኽንያት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጥረ ህውከት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ‘መንግስቲ ንከፃርዮ፣ ካሕሳ ንዝግበኦም ክካሓሱ ኣለዎ’ ኢሉ።

‘ኢህወዴግ ከም መንግስቲ ንድምፂ ህዝቢ ከዳምፅ ኣለዎ። ብኣግባቡ ሕጋዊ መልሲ ንዘድልዮ ሕቶ ሕጋዊ መልሲ ክህብ ኣለዎ። ህዝቢ’ውን እንተኾነ ንሕቶኡ ብሰላማዊን ሕጋዊን መድረኽን ኣገባብን ከቅርብ ኣለዎ ኢሉ’ዩ ዝኣምን መድረክ’ ኢሎም ኣቶ ካሕሳይ ዘገየ።

‘ናይ ህዝቢ ሕቶ ተዓፊኑ ክቀሪ የብሉን። ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ትግራይ ይኹን ኦሮሞ መልሲ ክረክብ ኣለዎ። ኦሮሞ ከምኣብነት ወሰድናዮ’ምበር፣ ህዝቢ ትግራይ ዘልዕሎ ሕቶ ኣሎ፣ ገዛኢ ፓርቲ ከዳምፆ ክኽእል ኣለዎ። ንሕጋዊ ሕቶ፣ ሕጋዊ መልሲ ክህብ ኣለዎ። ሕጋዊ ሕቶ ኣይኮነን ዝብል ገምጋም ኣለዎ እንተኾይኑ ድማ ከምመንግስቲ ንህዝቢ ከእምን ክኽእል ኣለዎ’ በሉ ኣቶ ካሕሳይ።

እናዓፈንካ እናዓፈንካ ፀኒሕካ ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ ክኸውን ከሎ ካልእ ምኽንያት ምሃብ ግቡእ ኣይኮነን’ውን ኢሎም ንሶም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:38 0:00

XS
SM
MD
LG