ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: ኣብ ደገፍ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝሳተፋ ወተሃደራውያን መራኽብ ክትልእኽ'ያ


ኢጣልያ: ባይቶ እታ ሃገር ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ: ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምቁጽጻር ስግረ ባሕሪ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ክልተ ወተሃደራውያን መራኽብ ከምእተሳትፍ ኣፍሊጣ።

ድሮ ድማ ኢጣልያ "ኮማንዳንተ ቦርሲኒ" ዝተባህለት ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ማያት ሊብያ ከምዝለኣኸት ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ፓውሎ ጀንቲለኒ: እቲ ሓገዝ ዝተደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፋይሰል ኣል ስራጅ ብዝቐረበ ጠለብ ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ስርሒት ምብታኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ብመገዲ ማእከላይ ባሕሪ ንምድጋፍ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ሮቤርታ ፒኖቲ ብወገና: ኢጣልያ ተክኒካዊ ሓገዝ ንምብርካት ድኣ’ምበር ኣብ ተጻባኢ እገዳ ባሕሪ ንምውፋር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ነዚ ሰበስልጣን ሊብያ ኣፍልጦ ዝሃብዎ ተልእኾ ስዒቡ: ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቐትሪ: ኮማንዳንተ ቦርሲኒ ዝተባህለት ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ናብ ማያት ሰሜን ኣፍሪቃ ብምእታው ናብ ጥራብሎስ ማለት ርእሰ ከተማ ሊብያ ናብ ዝኾነት ትሪፖሊ ከምዘምርሐትተፈሊጡ።

ኣብታ ጃልባ: ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝሰርሕ ሓደ ንኡስ ጉጀለ ከምዝርከብ’ውን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ባይቶ ሊብያ ግን ንመደብ ምውፋር መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሊብያ ብትሪ ተቓዊምዎ ኣሎ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሊብያ ዝርከብ ባይቶ ሊብያ እቲ መደብ ኣብ ስርሒት ስግረ ባሕሪ ንዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ብምምላስ ኣብ ሊብያ ናይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ቅልውላው ዝፈጥር ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ብዘይካዚ እቲ ባይቶ: ንደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፈይስ ኣል ስራጅ ዝምራሕ መንግስቲ ምስ ኢጣልያውያን በዚ ጉዳይዚ ኣብ ስምምዕ ብምብጽሑ ነቒፍዎ።

እቲ ኣብ ጦብሩቕ ዝርከብ ባይቶ ሊብያ ናይ ባዕዲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ማያት ሊብያ ክሕሉ ምፍቃድ ንልኡላውነት ሊብያ ዝግህስዩ ክብል’ውን ወጊዝዎ'ሎ።

XS
SM
MD
LG