ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ፖለቲካዊ ትርጉም ሞት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዓብዪ‘ዩ”-መድሃኔ ታደሰ


Officials move a portrait of Meles Zenawi shortly after the announcement of his death in Addis Ababa August 21, 2012.
Officials move a portrait of Meles Zenawi shortly after the announcement of his death in Addis Ababa August 21, 2012.
ፖለቲካዊ ትርጉም ሞት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዓብዪ ምኻኑ ዝጠቀሰ ኣቶ መድሃኔ ታደሰ፣ብደረጃ ኣህጉርን ብሃገርን ርኡይ ጋግ ዝፈጠረ ክብል ይገልፆ።

ነባር ፖለቲካዊ ተንታንቲ ቅልውላውን ኣማኻሪ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኾነ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መድሃኔ ታደሰ ”ኣብ ሓፂር ጊዜ ኣብ ኢትዮዽያ ዝኽሰት ፀጥታዊ ፀገም ዝህሉ ኣይመስለንን።ምኽንያቱ፣ሓይልታት ፀጥታ‘ታ ሃገር ዳርጋ ብናይ ባዕሎም ከይዲ ዝተፈላለየ ፅልዋን ትርጉምን ክህልዎም እንተዘይኮይኑ ከቢድ ዝባሃል ፀገም ፀጥታ ዝህሉ ኣይመስለንን” ይብል።

ኣብ ዞባዊ ፀጥታን ሰላምን ኣማእኪሉ ክትንትን ከሎ ድማ “ብደረጃ‘ቲ ዞባ እውን እንተኾነ፣ ብኤርትራ ወገን ውሱን ምንቅስቃስ ትሪኢ‘ኳ እንተኾንካ፣ካብኡ ሓሊፉ ከቢድ ዝኾነ ከባቢያውን ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ለውጥን ክህሉ ኣይኽእልን” በለ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ታሪኽ ዝህልዎም ቦታ ብሕልፊ በቲ ንሶም ዝጀመርዎ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ኣተሓሳስባን ተግባርን እናተዘከሩ ክነብሩ‘ዮም።እዚ ኣተሓሳስባ‘ዚ ምስ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ምዕሳል ዴሞክራስን ተሳንዩ እንተቀፂሉ ክንቅነቅ ዘይኽእል ውርሻኦም‘ዩ ይብል።
Medhanie Tadese
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:08 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG