ፖለቲካዊ ትርጉም ሞት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዓብዪ ምኻኑ ዝጠቀሰ ኣቶ መድሃኔ ታደሰ፣ብደረጃ ኣህጉርን ብሃገርን ርኡይ ጋግ ዝፈጠረ ክብል ይገልፆ።
ነባር ፖለቲካዊ ተንታንቲ ቅልውላውን ኣማኻሪ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኾነ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መድሃኔ ታደሰ ”ኣብ ሓፂር ጊዜ ኣብ ኢትዮዽያ ዝኽሰት ፀጥታዊ ፀገም ዝህሉ ኣይመስለንን።ምኽንያቱ፣ሓይልታት ፀጥታ‘ታ ሃገር ዳርጋ ብናይ ባዕሎም ከይዲ ዝተፈላለየ ፅልዋን ትርጉምን ክህልዎም እንተዘይኮይኑ ከቢድ ዝባሃል ፀገም ፀጥታ ዝህሉ ኣይመስለንን” ይብል።
ኣብ ዞባዊ ፀጥታን ሰላምን ኣማእኪሉ ክትንትን ከሎ ድማ “ብደረጃ‘ቲ ዞባ እውን እንተኾነ፣ ብኤርትራ ወገን ውሱን ምንቅስቃስ ትሪኢ‘ኳ እንተኾንካ፣ካብኡ ሓሊፉ ከቢድ ዝኾነ ከባቢያውን ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ለውጥን ክህሉ ኣይኽእልን” በለ።
ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ታሪኽ ዝህልዎም ቦታ ብሕልፊ በቲ ንሶም ዝጀመርዎ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ኣተሓሳስባን ተግባርን እናተዘከሩ ክነብሩ‘ዮም።እዚ ኣተሓሳስባ‘ዚ ምስ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ምዕሳል ዴሞክራስን ተሳንዩ እንተቀፂሉ ክንቅነቅ ዘይኽእል ውርሻኦም‘ዩ ይብል።