No media source currently available
ብፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሓዱሽ መዝነቶም ንዝተኣገዱ ከንቲባ ከተማ መቐለ፡ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ህፁፅ ጉባኤ ኣፅዲቑ። ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከብቲባ ኰይኖም ብቤት ምኽሪ ንዝተመርፁ ዶክተር ረዳኢ በርሀ፡ ንመምርሒታት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣይክተልን ብምባል’ዮም ንስልጣኑ ተቓዊመሞ ነይሮም።