ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተዘኪሩ ውዒሉ

ተቓውሞ ሰልፊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ኬንያ
ተቓውሞ ሰልፊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ኬንያ

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ 1 ግንቦት ኣብ ዙሪያ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ።ሰልፍታትን ተቓውሞታትን እውን ነይሩ።ዓለምለኸ ትካል ስራሕ ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ኣስታት ስለስተ ርብዒት ሸቀልቲ ብዘይ ኮንትራት ወይ ውሕስነት ስራሕ ይሰርሑ ኣለው ይብል ።

ከም ልሙድ ዓመታዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ናይ ተቓውሞ መዓልቲ እዩ።እዚ ናይ ሎሚ ዓመት እውን ዝተፈለየ ኣይነበረን።ካብ ፈረንሳ ክሳብ ቱርኪ፡ኣብ ሩሲያ ከተማ ሞስኮ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሩሲያዊ ‘ሰባት ብከምዚ ኣገባብ ክእከቡ ከለው ሓድነቶም እዮም ዝገልፁ ዘለው’ኢሉ።

ኣብ ኬንያ ድማ ናይ ኬንያ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዓመታዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ንምኽባር ኣብ ዝነበረ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝለዓለ ሸቕሊ ኣልቦነት ክፈትሕ እየ ኢሎም ኣለው።ሃገሮም ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ18 ሚእታዊት ክብ ክተብሎ እያ ክብሉ ተመባጺዖም ኣለው።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽቡ ደገፎም ብዓውታ ክገልፁ ከለው ተንተንቲ ግን ምውሳኽ ደሞዝ ንዝበዝሐ ሰራሕተኛ ዝሕግዝ ኣይኮነን ይብሉ።

ሰልፊ ተቓውሞ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዓለም

ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ሊባኖን
1/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ሊባኖን
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ህንዲ
2/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ህንዲ
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ስፔን
3/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ስፔን
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ሃይቲ
4/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ሃይቲ
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ዒራቕ
5/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ዒራቕ
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ታይዋን
6/6 ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ታይዋን
Previous slide
Next slide

መንግስቲ ኬንያ ኣብ 2017 ዓ.ም ዘውፅኦ ቁጠባዊ መፅናዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 833 ሽሕ ስራሓት ተፈጢሮም ኣለው።ካብዚ ግን እቲ ስሩዕ ስራሓት ትሕቲ 20 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ።

ኩዋሜ ኦዊኖ ኣብ ኬንያ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትካል ቁጠባዊ ጉዳያት ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ንኩነታት ፈጠራ ስራሕን ንግድን ከመሓይሻ ኣለወን ይብሉ።

ብሩኪንግስ ኢንስቲዩት ዝተባህለት ትካል ኣብ ቀረባ ብመሰረት ዘካየዶ መፅናዕቲ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝኾኑ ኣፍሪካዊያን መናእሰይ ሓደ ሲሶ ናይታ ኣህጉር ህዝቢ ክኾኑ ከለው ክልተ ሲሶ ናይዚኦም ግን ስራሕ ኣልቦ እዮም ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተዘኪሩ ውዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00

XS
SM
MD
LG