ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማውሪታንያ ኣብ ሃገራት ሳሕል “ጉድለት ጸጥታ”ይረአ’ሎ ትብል


ትማሊ ሰንበት ዝተኸፈተ መበል 31 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ አንጋዲት ዝኾነት ማውሪታንያ ኣብ ጸረ ግብረሽበራ ሓይልታት’ቲ ዞባ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ዘሎ ጉድለት ጸጥታ ዘርእይ’ዩ ትብል።

ኣብ ዋና ከተማ ማሊ ሰቨራ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት በ ‘G-5’ ዝፍለጥ ጸረ ግብረ ሽበራ ሓይሊ’ቲ ዞባ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቦምብ ክልተ ወታሃደራትን ሓደ ሲቪል ምሟቶም ይፍለጥ።

እቲ መጥቓዕቲ ብዓርቢ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት መለለይ ሕብሪ ዘለዋ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ሳሕል ብምትእኽካብ ኣብቲ ዞባ ንዝረአ ምንቅስቃስ ጥሩፍ ጉጅለታትን ጉጅለ ገበነኛታትን ንምቅላስ ኣብ 2017 ዝተመስረተ ጉጅለ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መጥቓዕቲ እዩ።

ማውሪታንያ ኣብ ሃገራት ሳሕል “ጉድለት ጸጥታ”ይረአ’ሎ ትብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

ናይ ማውሪታንያ ፕረዚደንት ኦላድ ዓብደልዓዚዝ እቲ መጥቓዕቲ ንቀንዲ መዋፈሪ ጸጥታ’ቲ ዞባ ዝሃረመ ምኳኑ ብምግላጽ ዓለምለኸ ሕብረተሰብ ሓገዝ ብዘይምብርካቱ ብተሪር ነቒፎም።

ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀስ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጥሩፍ ጉጅለ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ምውሳዱ ንኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ብቴሌፎን ምሕባሩ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ G-5 ዝፍለጥ ብፈረንሳ ዝሕገዝ ሓይሊ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት- ቦርኪኖፋሶ፡ቻድ፡ማሊ፡ማውሪታንያን ኒጀርን ዝተአኻከቡ ሰራዊት ዘለዎ ጸረ ግብረ ሽበራ ሓይሊ’ዩ።

XS
SM
MD
LG