ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጻረዪ ርብዒ ፍጻመ ሴካፋ ተዛዚሙ


ካልኣይ መጻረይ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ሴካፋ - ምብራቅን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስታድየም ኣዲስ አበባ ተካይዱ።

ሎሚ ኣብ ዝተካየዱ ክልተ ግጥማት ደቡብ ሱዳን ምስ ሱዳን፣ ሩዋንዳ ምስ ኬንያ ኣብ ዘካየደኦ ግጥም ንቴስዓ ደቃይቅ ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን። ኣብ መወዳእትኡ እቲ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ተዛዚሙ'ሎ።

ብመሰረት’ዚ ሱዳን ንጎረቤታ ደቡብ ሱዳን፣ ሩዋንዳ’ውን ብተመሳሳሊ ንኬንያ 5 ብ 3 ስዒረን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፈን ኣለዋ።

ፍርቂ ፍጻመ ሴካፋ ኢትዮጵያ ምስ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ ምስ ሱዳን ሓሙስ ክጋጠማ'የን; አብዚ ጸወታ ዝተዓወታ ጋንታታት ንናይ ሎም-ዘበን ግጥም ጽዋዕ መን ዓተረ ክራኸባ’የን።

XS
SM
MD
LG