ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነበር ማስተር ኣብርሃም ሕሩይ


ዕላል ምስ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነበር ማስተር ኣብርሃም ሕሩይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:29:47 0:00

ዕላል ምስ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነበር ማስተር ኣብርሃም ሕሩይ

ማስተር ኣብርሃም ሕሩይ መንግስተኣብ፡ ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ባሕረኛ ዝነበረን፡ ኣብታ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆን ኦፍ ከነዲ ንንጉስ ሃይለስላሰ ዝተዋህበት መርከብ ከም መኮንን ርክባት ረድዮ ኮይኑ ዘገልገለን`ዩ። እታ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝተሳተፈት ናይ ኣመሪካ መርከብ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሽማ USS ORCA ዝብል ኮይኑ ንንጉስ ሃይለስላሰ ምስ ተዋህበት ግን HMS(His Majesty Ship) ዝብል ሽም ከም ዝሓዘት ይግለጽ።

ማስተር ኣብርሃም ብቁመና ኣለባባሳ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ተመሲጡ ኣብ 1952 ኣቆጻጽራ ግእዝ(1959-60) ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወን፡ በቲ ስዒቡ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ኩነታት ንብርክት ዝበለ ዓመታት ከም ዝተኣስረን`ውን ኣካፊሉ`ሎ።

6'4" ቁመት ዘለዎ ማስተር ኣብራሃም፡ ንሱ ኣብ ዝገሸለን ሃገራት ብዝገብሮ ዝነበረ ጸዋታ ኩዕሶ ሰኪዔት ከም ዝልለን ኣብ ገለ ሃገራት ክሳብ ንዋንጫ ክበጽሓ ከም ዝሓገዘን ኣዕሊሉ`ሎ። ማስተር ኣብርሃም ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ምምጽኡ ኣብቲ `ኣንሚ` ዝብሃል ዝነበረ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ነፈርቲ ሰሪሑ`ዩ ።

ማስተር ኣብርሃም ብኸመይ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወን፡ ንሱ ኣብ ዝገሸለን ሃገራት ዝገብሮ ዝነበረ ጸዋታ ኩዕሶ ሰኪዔትን ዝምልከት ኣዘራሪብናዮም ኣለና፡፡


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG