ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጽምዲ ስነ-ስርዓት መርዓ አካይዶም


ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጽምዲ ብባህላዊ ስነ-ስርዓት ጃምላዊ መርዓ ፈፂሞም።

ትማሊ ሰንበት 14 ጥሪ 2024 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጽምዲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጃምላ ባህላዊ ስነ-ስርዓት መርዓ ፈፂሞም። ከም ኣገላልፃ ኣዳለወቲን ተሳተፍትን ከምዚ ዝበለ ፅምብል ክካየድ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ፈላማይ እዩ።

ፃዕዳ ባህላዊ ኽዳን ዝተኸደኑ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመፁ መፃምዲ እቲ ስነስርዓት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ጎደናታት ይደርፉን ይስዕስዑን ነይሮም።

ያመንት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባኒያ ምስ መንግስታዊ መደበር ቴሌቭዥን ብምዃኑ ነቲ ስነ-ስርዓት መርዓ ከምዘዳለዎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG