ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ብዝሒ ዘለዎም ወሃብቲ ድምጺ ኣብ መመዝገቢ ኑቕጣታት ተራእዮም


ናይሮቢ ኣብ ኣፍደገ ሴንት ፒተር ክላቨርስ መባእታ ቤት ትምህርቲ
ናይሮቢ ኣብ ኣፍደገ ሴንት ፒተር ክላቨርስ መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኬንያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንዝኻየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ መዓልታት ምዝገባ ኣብ መመዝገቢ ኑቑጣታት ተራእዮም።

ኣብ መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ምጭብርባር ኣሎ ዝብል ብዙሕ መጎተ ምልዓሉ ተኸቲሉ ንምርጫ ቦርድ እታ ሃገር ብምቕዋም ተደጋጋሚ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ምኽያዶም ከም ውጽኢቱ ድማ ምሃብ ድምጺ ኣብ ክንዲ ብምዝጉብ ኣሰር ኣጻብዕ ብወረቐት ክኸውን ዝብል ሓድሽ ሕጊ ምውሳኑ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኬንያ ንዝኻየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምምዝጋብ ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ ኣብ ኣፍደገ ሴንት ፒተር ክላቨርስ መባእታ ቤት ትምህርቲ ንዝርኸቡ ኣስታት 20 ዝኾኑ ሰባት እቲ ናይቲ መዓልቲ ምውቕ ኩነታት ኣየር ዝጸልዎም ኣይመስልን።

ሓደ ካብኦም ሳሙኤል ንጆሮገ ከምዚ ይብል።

“ ንዝቕጽል ፕረዝደንት ኮነ ኣባላት ፓርላማን ካልእን ድምጺ ምሃብ መሰልና’ዩ።”

ሎሚ ካብ መወዳእታ ናይ መረጽቲ ምምዝጋብ መዓልታት ቀዳመይቲ መዓልቲ እያ። እዚ መስርሕ ምምዝጋብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክዛዘም’ዩ።

ናይ ኬንያ ነጻ ምርጫ ቦርድን ኮሚሽን ዶብ ማናጀር ዝኾኑ ኣንድሪው ሊሞ ክሳብ ሕጂ እቲ መስርሕ ምዝገባ ብጽቡቕ ይኻየድ ምሕላው ይገልጹ።

“ካብ መመዝገቢ ኑቕጣታት ዝበጽሓና ሪፖርት ዘተባብዕ እዩ። ብርግጽ ከም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ምዃኑ ሓደ ሓደ ጸገማት ማለት ምውፋር መዝገብቲ ገለ ሰባት እዋን ደንጉዮም ኣብቲ ቦታ ብምርኻቦም ማእከላት ደንጉዮም ተከፊቶም እዮም እንተኾነ እዚ ዝበሃል ዓብይ ጸገም ኣየጋጠመን።”

እዚ ምዝገባ ወሃብቲ ድምጺ የካቲት 14,2017 ዝዛዘም ኾይኑ መሰረታዊያን ወሃብቲ ድምጺ ግን ብቅዋማዊ ቤት ጽሕፈታት ወይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ቤት ጽሕፈታት ኣቢለን ግን እቲ ምርጫ ኽካየድ 90 መዓልታት ክሳብ ዝተርፎ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኬንያ ብዝሒ ዘለዎም ወሃብቲ ድምጺ ኣብ መመዝገቢ ኑቕጣታት ተራእዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

XS
SM
MD
LG