ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ዓመት ኣውሮፓዊያን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝህሊ ኣይመስልን ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም


ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ፍርቂ ዝቕፅል ዓመት ናይ ኣውርፓዊያን ብበዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ውሑስን ውፅኢታውን ክታበት ኮሮናቫይረስ ክህሊ ኣይመስልን ኢሉ።

ሰባት ትፅቢቶም ከትሕቱ ሰበስልጣን ጥዕና የተባብዑ ኣለው።ውሑስን ውፅኢታውን ክታበት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ግዜ ዝወስድ ስለዝኾነ ብደፋእ ደፋእ ኣይኸውንን ይብሉ።ፀብፃባት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዘደንቕ ምዕባለ ምርኣዩ ይግልፁ።እንተወሓደ ካብ ሰለስተ ክሳብ ትሽዓተ ሕፁያት ክታበታት ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ናይ ሕክምና ፈተነ ከምዝርከቡ ሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ማርጋሬት ሃሪስ ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ጥንቃቐ ዝተገበረሉ ፈተነታት ምስታፎም ገሊፀን።ክታበት ህዝቢ ክጥቀመሉ ቅድሚ ምፅዳቑ ካብ ዝተፈተኖም እንተወሓደ 50 ምኢታዊ ኣብቶም ፈተነ ዝተኻየደሎም ውሑስን ካብ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ምዃኑን ክረጋገፅ ኣለዎ ኢለን።

ኣብ ኩሎም ደረጃታት ናይቲ ምርምር ንድሕንነት ናይቲ ክታበት ክትትል ክግበረሉ ስለዘለዎ እቲመስርሕ ነዊሕ ይገብሮ እውን ኢለን ሃሪስ ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG