ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል መጥቃዕቲ ደው እንተቢላ ሓማስ ንዝጨወዮም ከምዝፈትሕ መራሒ'ቲ ጉጅለ ነበር ገሊጹ


ቓዛ
ቓዛ

እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝጀመረቶ ወፍሪ እንተገቲኣቶ ሓማዝ ነቶም ዝጨወዮም ሰባት ከሰናብቶም ከምዝኽእል መራሒ ዝነበረ ካሊድ ማስኣል ንትካል ዜና ስካይ ገሊጹ።

ኣብ ዶሃ ቐጠር ኮይኑ ቃለ ምልልስ ዝገበረ ማስኣል እቶም ዝተጨወዩ ሰባት፣ ድሕሪ ብሰንኪ እስራኤል ዝፈጸመቶ ደብዳብ 22 ካብ ሞንጎኦም ምስተቀትሉ፣ ሃማስ ናብ ካልእ ስፍራ ከምዝወሰዶም ሓቢሩ'ሎ።

ንሱ"እቲ ወፍሪ ደው እንተቢሎምዎ ከም ቐጠርን ግብጽን ዝኣምሰሉ ሸምገልቲ መገዲ ክረኽቡ ስለዝኽእሉ፣ ንሕና’ውን ነቶም ዝተጨወዩ ምስ ቤተሰቦም ንክራኸቡ ክነሰናብቶም ኢና" ይብል ንሱ።

ሓማስን ካልኦት ምልሻታትን ቓዛ ንወጻእተኛታትን ድርብ ዜግነት ዘለዎምን ኣስታት 220 ሰባት ጨውዮም ከምዝወሰዱ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ሓማዝ ትማሊ ሰኑይ 23 ጥቅምቲ 2023 ንክልተ ኣረጋዊያን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝፈትሐ ዝፍለጥ እዩ።

ጉጅለ ሓማስ ካብ 1997 ኣትሒዙ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ እቱው'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG