ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ሰማእታት ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዙሪያ ዓለምን ተኸቢሩ


12 ለካቲት መዓልቲ ሰማእታት ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዙሪያ ዓለምን ተኸቢሩ ውዒሉ።

ከምዛ ሎማዕንቲ ቅድሚ 81 ዓመት ፋሽሽት ወራሪ ኢጣልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ንልዕሊ 30 ሽሕ ንፁሃን ሰባት ብግፍዒ ዝተጨፍጨፍሉ መንግስቲ ኢጣልያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ካሕሳ ክኸፍል ዝብል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ዝሓዙ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ክብሉ ኣተሓባበርቲ ናይቶም ሰፍልታት ሓቢሮም።

ብኻልእ ዜና መበል 43 ምስረታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተኸቢሩ።

መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ከም ዝፀብፀብኦ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ኣቦ መንበር ህውሓትን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ኣዳራሽ ሓውልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መበል 43 በዓል ምስረታ ዝኽበር ዘሎ እቲ ውድብ ንባዕሉ ብዕሙቐት እናገምገመ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ብሄራዊ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ምውጋዝ ጥራሕ ዘይኮነ እዞም ወገናት ካሕሳ ዝረኽብሉ መንገዲ ይስረሓሉ ኣሎ ኢሎም ። ዘጥፍኡ እውን ብሕጊ ክሕተቱ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይኽሰቱ ዘለው ናይ ህውከትን ዕግርግርን ምንቅስቓሳትን ዝበልዎም ንምቁፅፃር ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ንምትግባር ምርብራብ ክግብር እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብን መንግስትን፣ስድራ ሰማእታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ከምዝነበሩን ኣብ ሓውልቲ ሕቋፍ ዕንበባ ከምዝተነብረን’ዉን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG