ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልታት ሰማእታት ኤርትራ ተዘኪሩ

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪራ። ኣብቲ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ስድራቤት ስዉኣትን ዲፕሎማትን ተረኺቦም ነይሮም።

ብቕንያቱ፡ ነቲ ዝኽሪ ዝምልከት በበይኑ መደባት ምሕጋዝ ስድራቤት ስዉኣት፡ ምብራህ ሽምዓ፡ ምትካል ፈልሲን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። ትማሊ ረቡዕ 19 ሰነ’ውን ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ጸሎተ-ፍትሓትን ዱዓን ተኻዪዱ ኣሎ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፍሉይ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኽ ምዃኑ ዘመልከተሉ ዕለት ምንባሩ ይዝከር።

This item is part of

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG