ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ዝኽሪ ብዓል ማርቲክ ሉተር ኪንግ ተኸቢሩ


ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ሎማዕንቲ ሃገራዊ ዝኽሪ ብዓል ማርቲክ ሉተር ኪንግ ተኸቢሩ።ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ እውን ምስ ስድረኦም ብምኻን ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ተረኺቦም ኣብ ፕሮጀክት ምልቅላቅ'ቲ ኤት-ትምህርቲ ተኻፊሎም።

ን'ውሩይ ፀሊም ተቓላሳይ ስቪላዊ መሰላት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተወለድሉ ዕለት ንምዝካር ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ብዓልቲ ቤቶም ሚሸል ኦባማን ሎማዕንቲ ሰኑይ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ዝኽሪ ክካፈሉ እዮም።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ሰላማዊ ቓልሲ ብምክያድ ሕልሚ ኣለኒ ብዝብል መደርኦም ይፍለጡ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 1950ታትን 1960ታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ዩናይትድ ስቴትስ ይበፅሕ ዝነበረ ዘርኣውነት ንምውጋድ ዕውት ተቓውሞ ዝመርሑ ናይ ሃይማኖት ሰባኺ እውን ነይሮም።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 1964 ኣ/ፈ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚ እዮም።ንሶም 4 ሚያዝያ 1968 ኣ/ፈ እዮም ኣብ መምፊስ ቴነሲ ተቐቲሎም።

XS
SM
MD
LG