ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈኛ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ማርክ ቶነር ብዛዕባ ምእሳር ዶ/ር መረራ ጉዲና ሪኢቶ ይህብ


ኣብ ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ማእሰርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዋዓለ ክፍለ ጊዜ ሕቶን መልሲን ሪኢቶ ንክዋሃብ ተሓቲቱ ነይሩ። ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ዕዮ ሚስተር ማርክ ቶነር ዝሃብዎ ሪኢቶ ስዒቡ ቀሪቡ’ሎ፣

“መራሒ ኦሮሞ ፈደራላዊ ኮንግረስ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ፈሊጥና ኣለና። በቲ ሪፖርት ተሻቒልና ኢና። ስለዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ንዝቀርቡ ክሲታት ብግልጺ ንከቅርብ ነተባብዕ።

እዚ ናይ ምእሳሮም ነገር ሓቂ እንተኾይኑ ፣ እቲ ተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ነጻ ድምጺ ንምዕፋን ዝውሰዱ ስጉምትታት እናወሰኹም ምምጽኦም ተወሳኺ መርኣያ`ዩ ። ብግልጺ ንምዝራብ ኢትዮጵያ ዘውጽኣቶ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ንድምጺ ተቃውሞ ንምዕፋንን ንሕገ መንግስታዊ መሰላት ዜጋታት ንምድራትን’ዩ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ከምዘሎ ዘለና ርድኢት ዝያዳ ዘራጉድ`ዩ።

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ዝተተግበረሉ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝተባሃሉ መጽባዓታት ፖለቲካዊ ተሃድሶ ዝራጸም’ዩ። ስለዚ ብቅርበት ንከታተሎ ኣለና” ኢሎም።

ማርክ ቶነር ሎሚ ሓሙስ ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣብ'ዚ ተታሓሒዙ ቀሪብልኩም ኣሎ፣

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG