እቲ 215 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሸፈነ ካብ ግሪፐል ናብ ኣንገር ዝተጓዕዘ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ኣባል ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንዲሽ ተዛዚሙ።
ካቨንዲሽ ኣብቲ ኣዝዩ ህልኽ ዝመልኦ ዝተኻየደ ቮላታ ብኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ንጀርመናዊ ኣባል ክለብ ሎቶ ኣንድረ ግሪፐልን ፈረንሳዊ ኣባል ክለብ ዳይረክ ኤነርጂ ብርያን ኮኾርድ መሪሑ ዳግማይ ዓወት ኣብ ዙር ፈረንሳ 2016 ተጎናጺፉ።
እዚ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ስለዝነበሮ: ደያኑ ፎቶ ፊኒሽ (Photo Finish) ዝተባህለ መሳርሒ ተጠቒሞም እዮም ዕውት ከለልዩ ክኢሎም። ኣቐዲሙ ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወት ጀርመናዊ ኣንድረ ግሪፐል ዝተዓወተ መሲልዎ ጽምብል ኣካይዱ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ንመስመር ፍጻመ መን ቀዲሙ ረገጸ ብደቂቕ ዘርኢ ተክኖሎጂ ፎቶ ፊኒሽ ፡ ዓወት ካቨንዲሽ ምዃኑ ንደያኑ ብምርግጋጹ: ሓጎስ ግሪፐል ነዊሕ ኣይቀጸለን።
ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ዝርከብዎ ክትኸውን እንከላ፤ ካቨንዲሽ ድሕሪቲ ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ዝ ሃቦ ሓበሬታ እቲ ውጽኢት ናይ ሓባር ስራሕ ዝደረኾ ምንባሩ ገሊጹ።
እዚ ካቨንዲሽ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ብሓፈሻ ንመበል 28 ግዜ ዝሓፈሶ ኮይኑዩ ተጠቒሱ።
ኣብ ውህሉል ነጥቢ ስሎቫክያዊ ፒተር ሳጋን ይመርሕ ኣሎ። በዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ብጫ ማልያ ካብ ዝባኑ ከይወረደት: ኣብ ዝቕጽል ውድድር ምስኡ ክትጎዓዝያ።