ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮለጅ ስነ ፍልጠትን ምህንድስና ባህርን ምጽዋዕ፡ ሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ዲን ናይ`ቲ ኮልጅ ንቪኦኤ ገሊጹ


ዲን ኮለጅ ስነ ፍልጠት ምህንድስና ባሕርን ምጽዋዕ ዶክተር ዘካሪያ ዓብድልከሪም
ዲን ኮለጅ ስነ ፍልጠት ምህንድስና ባሕርን ምጽዋዕ ዶክተር ዘካሪያ ዓብድልከሪም

ኮለጅ ስነ ፍልጠት ምህንድስና ባሕርን ምጽዋዕ፡ ምስ ባሕሪ ኣብ ዝተኣሳሰር ፡ሕጽረት ኽኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ዲን ናይቲ ኮለጅ ዶክተር ዘካሪያ ዓብድልከሪም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ኮለጅ ስነ ፍልጠት ምህንድስና ባሕርን ምጽዋዕ
ኮለጅ ስነ ፍልጠት ምህንድስና ባሕርን ምጽዋዕ

"ስነ ፊልጠት ባሕሪ ወይ ምህንድስና ባሕሪ ክበሃል ከሎ፡ግብራዊ ትምህርቲ ኢዩ።እዚ ኮለጅ ኣብ ምጽዋዕ ምድኳኑ ከኣ ነዚ ዝዓለመ ኢዩ " ዝበለ ዶክተር ዘካሪያ፡ደሴት ሽኽ ዛይድ(ግረን ኣይላንድ) ኩሉ ዓይነት ኤኮ ሲስተም ከም ማንግሩቭ፡ኮራልን ሑጻዊ ገማግምን ስለዘለዋን ኣብዚ ደሴት ከይዶም ብቐሊሉ ክምሃሩን ክመራመራመሩን ከምዝኸአሉ ሓቢሩ።

ምስ ዶ/ር ዘካርያ ዓበደልከሪም ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG