ስነ-ስርዓት ቀብሪ ካብ 1979 - 1990 ብኣቆፃፅራ ኣውሮዻውያን ቀ/ሚ እንግሊዝ ዝነበራ ማርጋሬት ታቸር ረቡዕ ኣብ ለንደን ተፈፂሙ‘ሎ።
ዓቃባዊ መስመር (ኮንሰርቫቲቭ) ዝኽተላ ዝነበራ ማርጋሬት ታቸር ፈታዊን ፀላእን ከምዘፍረያ ዝዝከር‘ዩ።ገሊኦም ንእንግሊዝ ፅቡቅ ገይረናላ‘የን ክብሉ ከለው ካልኦት ድማ ዘርኣዊት፣ ደረቀኛ፣ንእንግሊዝ ዝኸፋፈላን ዝያዳ ጎንፂ ዝፈጠራን ኢሎም ይነቅፉወን።
ቀ/ሚ ማርጋሬት ታቸር፣ቀዳመይቲን ብሕታዊትን ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ኮይነን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ፍሉይ ዝሓዛ ምኻነን፣ባዓልቲ ሓዳርን ንክልተ ማናቱ ቆልዑ ከምዘዕበያ‘ውን ይፍለጥ።