ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኢት ኣሻሓት ኣሜሪካዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተሰሊፎም


ገለ ተሳተፍቲ ሰልፊ ንፍትሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
ገለ ተሳተፍቲ ሰልፊ ንፍትሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ፖሊስ ሓለዋ ኣብ ዝፍፅመሉ እዋን ዝጥቀመሉ ኣገባብ ንክቅየር ዘግድድ ሕጊ ንክወፅእ ዝሓትት ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ቀዳመ-ሰናብቲ ተካይዱ።ብጠንቂ’ቶም ንክልተ ፀለምቲ ድሕሪ ምቅታሎም ክሲ ከምዘይምስረቶም ብግራንድ ጁሪይ ካብ ዝውሰን ንነዘ ኣብ ሙሉእ ኣሜሪካ ሰልፊ ተቃውሞ ይቅፅል’ሎ።

ካብ ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ተበጊሶም ብጎደና ፐንሰልቨንያ ሓሊፎም ኣብ ኣዳራሽ መአከቢ ወከልቲ ህዝቢ’ዮም በፂሖም እቶም ተቃወምቲ። ኢድ ንዓቀብ፡ከይትትኩስ፡ ዝብሉን ንኣብ ፈርግሰን ሚዙሪ ዝተቀትለ ወዲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ፀሊም ማይክል ብራውንን ዘኪሮም’ዮም።

ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ብፖሊስ ተሓኒቁ ዝተቀትለ ኤርክ ጋርነር ንምዝካር ድማ ‘ተዓፊነ፡ትንፋሰይ ሓፂሩኒ’ እናበሉ ተሰሚዖም’ዮም እቶም ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ተቃወጅምቲ።ፖሊስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ኣባላት ማሕበረሰብ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ንከብቅዕ ፀዊዖም።

እቶም ሚእቲ ሽሕ ዝቁፀሩ ካብ ኩሉ ማሕበረ-ሰብ ዝተሳተፍሉ ሰልፊ ክሳብ ኣስታት ሓሙሽተ ኪ/ሜትሮ ንውሓት ነይሩዎ።ብፖሊስ ኣባላት ስድረኦም ዝሳኣኑ ሰባት ፎቶግራፍ እቶም ዝሞቱ ሒዞም’ውን ነይሮም።

Josh Lopez ዝተባሃለ ሓደ ተሳታፋይ’ቲ ስልፊ “ካብ ማንሃታን ኒውዮርክ’የ መፂኤ።ኣኮይ ተጎዲኡኒ’ዩ።ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብፖሊስ ኒውዮርክ ተቀቲሉ” በለ።

ግዳያት ፖሊስ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ገሊኦም ኣብ ኒውዮርክ ዝተቀትለ ማመዱ ሲያሎ፡ጆን ክራውፈርድ፡ትሬቮን ማርቲንን ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተቀትለ ማይክል ብራውን ይርከብዎም።

ወላዲት እቲ ኣብ ኒውዮርክ ብ19 ጠያይቲ ተደብዲቡ ዝተቀትለ ማመዱ ዲያሎ ወ/ሮ ካድያቱ ዲያሎ፡መፅሔት ታይም ቅድሚ 16 ዓመት ኣብ ገፁ ንዘሕተማ ስእሊ ወደን ሒዘን ተራእየን ነይረን።

ጨኸና ፖሊስን ርክባት ዘርኢን ይብል እቲ ኣርእስቱ።ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ቀተልቲ ወደይ ብገበን ከይተሓተቱ ክተርፉ ከለው፡ሽዑ ከም’ዚ ዝበለ ፍርደ-ገምድልነት ኣይድገምን ኢልና ነይርና።ዘመናት ሓሊፎም ሎሚ ይብላ ንሰን፡ተመሳሳሊ ናይ ፍትሒ ምስኣን ፀገም ይኽሰት’ሎ።ዝሕተት ሰብ እውን የለን።ዘተሓሳስብ’ዩ ኢለን ወ/ሮ ካዲያቱ።

XS
SM
MD
LG