ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ፖሊዮ ጥቅምቲ 24 ክዝከር'ዩ


ፅባሕ ቀዳም 24 ጥቅምቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ፖሊዮ እዩ።ዋላ'ኳ ዕንቅፋትን ለበዳ ቫይረስኮሮናን እንተጋጠመ'ውን ዓለም ነዚ ኣብ ክልተ ሃገራት ጥራሕ ዝርከብ ዘልምስ ሕማም ንምጥፋእ ጉዕዝኡ ቀፂሉ ይርከብ።

ኣብ ሓደ እዋን ፖሊዮ \ሕማም ኣልምሲ\ ኣብ ዓመት ንኣማኢት ኣሽሓት ህፃናት የልምስ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 75,000 ቆልዑ የጥቅዕ ነይሩ። ሎሚ እቲ ጉዳይ ከምኡ ኣይኮነን።

ካሮል ፓንዳክ ምስ ናይ ሮታሪ ኢንተርናሽናል ፖሊዮ ፕላስ ዝተባህለ ፕሮግራም ፖሊዮ ንምጥፋእ ንልዕሊ ዕስራዓመታት ዝሰርሓ እየን።

"ፖሊዮ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ብዘመዝገብናዮ ቀንዲ ዓወት ኣፍሪቃ ካብዚ ቫይረስ ፖሊዮ ነፃ ኮይና።"

ዝማዕበላ ሃገራት ብክታበት ካብ ፖሊዮ ነፃ ዝወፃሉ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።ኣብ 1988 ዓለምለኸ ተበግሶ ምጥፋእ ፖሊዮ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ተመሳሳሊ ስራሕ ንምስራሕ ወሲኑ።

ማእለያ ዘይብሉ ወለንተኛነት፣ብሓገዝ ብዙሓት ትካላት ረድኤት ዓለምለኸ መሪሕነት፣ከባቢያዊ መሪሕነት ብዙሕ ስራሕ ወሲዱ። ቫይረስ ፖሊዮ ሎሚ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ጥራሕ ይርከብ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ህውከትን ግጭትን ሰባት ብምምዝባሎም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዘዕቖብሉ ከባቢ ድማ ትሑት ኣገልግሎት ጥዕናን ጽሬትን ስለዘሎ ኣብ ክልቲአን ሃገራት እቲ ቫይረስ ዳግም ተላዒሉ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ምብራቓዊ ሜድትራኒያን ዳይረክተር ምጥፋእ ፖሊዮ ዝኾኑ ዶክተር ሓሚድ ሰይድ ጃፋሪ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ ከባቢ ተፃቢቦም ኣብዝነብርሉ እሞ ድማ እኹል ኣገልግሎት ጥዕናን ጽሬትን ኣብዘይብሉ ቫይረስ ፖሊዮ ክባዛሕ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር እዩ ይብሉ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ታሊባን ገዛ ንገዛ እናዘርካ ዝካየድ ናይ ክታበት ወፍሪ ኣይፈቅድን።እዚ ነቲ ስራሕ ከቢድ ከምዝገብሮ ካሮል ፓንዳክ ይገልፃ።

ፖሊዮ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ዝካየድ ወፍሪ ንምዕዋት ይቀራረብ ኣሎ።ዛጊት ዓብይ ስራሕ ተሰሪሑእቲ ሕማም ካብ ኣፈጋኒስታንን ፓኪስታንን እንተድኣ ተፀሪጉ ዘይጠፊኡ ብደረጃ ዓለም ዳግም ክባዛሕ እዩ።ቫይረስ ከመይ ክባዛሕ ከምዝኽእል ድማ ኮቪድ-19 ኣብነት እዩ።

XS
SM
MD
LG