ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ሕማም ኣንቅፂ ብዝምልከት መጠንቀቕታ ተዋሂቡ


ኣይተ ዮሃንስ ገብረሃወርያ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ሓደጋታት
ኣይተ ዮሃንስ ገብረሃወርያ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ሓደጋታት

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ሰነ ብዝህልው ወቕታዊ ኩነት ሕማም ኣንቅፂ ዝኽሰተሉ እዋን ምስ ምዃኑ ሕብረተሰብን ሰብ ሞያ ጥዕናን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ተነጊሩ'ሎ።

ብመሰረት እዚ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ እቲ ሕማም ብኸመይ ይብገስን መከላኸሊኡን ኣመልኪቱ ትምህርታዊ መረዳእታ ንኹለን ማእኸላት ጥዕና ከምዝሃበ ይገልፅ።

ኣብቲ ቢሮ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ሓደጋታት ኣይተ ዮሃንስ ገብረሃወርያ ኣብ ነብሲወከፍ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዘለዉ ኮሚቴ ህፁፅ ወሃብቲ ምላሽ ክበራበሩን ክትትል ከካይዱን መጠንቀቕታ ፅሒፍና ኢና ኢሎም።

ሕማም ኣንቅፂ ዋዒ እንትህሉ ኣብ መሬት ዝፀንሑ ነቲ ሕማም ዘመሓላልፉ ህዋሳት ብንፋስ ኣቢሎም ናብ ሰባት ብምእታው ዝነቅልን ዝጐድእን ሕማም እዩ። ምልክታቱ ድማ ሓያል ረስኒ፣ ክሳድ ምቕናንን ቀልቢ ምስዋርን ምዃኑ ተገሊፁ'ሎ።

እዚ ሕማም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ሴነጋል ክሳብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዝርጋሕን መቐነት ሕማም ኣንቅፂ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕን ከባቢ ብልዑል መጠን ከምዝረአ መብርሂ ኣይተ ዮሃንስ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ትግራይ ሕማም ኣንቅፂ ብዝምልከት መጠንቀቕታ ተዋሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:05 0:00

XS
SM
MD
LG