ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳተላይት ዲሽ "ኤልያስ ፓወር" ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምልኣኽ ይዳለው'ሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ቻይና ዝኣትው ዝነበረ ሳተላይት ዲሽ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምፍራይ ምሉእ ብምሉእ ዝተከአ ትካል ኤሌክትሮሜካኒካል ኤልያስ ፓወር ሕጂ ድማ ስርሓቱ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምልኣኽ ይሰርሕ'ሎ።

እቲ ምህርቲ ናብ ሃገራት ሱዳን፣ኬንያን ጅቡቲን ንምልኣኽ ተሊሙ'ሎ፤ ብቐዳምነት ግና ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ጠመትኡ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን እዩ ተባሂሉ'ሎ።

ወናኒ እቲ ትካል ኣቶ ኤልያስ ገብረማርያም ትካሎም ብዋናነት ኣብ ፍርያት ሕርሻ፣ መወሃሃዲ መግብን ኣብ ሳተላይት ዲሽን ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ይገልፁ፤ ብፍላይ ዘመናዊ መሰንከቲ ባኒ ብደረጃ ሃገር ናብ ኩለን ክልላት ከምዝተባፀሐ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል 50 ሰብ ሞያ ሒዙ ናብ ኣካላት መኪና ማለት እውን ማዕፆን ኮፈንን መካይን ናብ ምፍራይ ኣሚቱ ይሰርሕ ምህላዉ እውን ኣቶ ኤልያስ ገሊፆም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሳተላይት ዲሽ "ኤልያስ ፓወር" ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምልኣኽ ይዳለው'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:53 0:00

XS
SM
MD
LG