ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀብሪ ማንዴላ ሰንበት ክፍፀም‘ዩ


ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ
ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ
ቁሸት ደቡብ ኣፍሪቃ ቁኒ ነቲ ፍትዊን ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኡ ዝዓረፈን ወዳ ማዲባ ንክትቀብር ተቀሪባ'ላ።

ጥምቅ ማይ ዋላ‘ውን ቀንዩ እንተሎ፣እቲ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ማንዴላ ሰንበት ብዝተታሓዘሉ መደብ ክፍፀም‘ዩ ይብሉ ሰበ-ስልጣን።

ጋዜጠኛታት ካብ መላእ ዓለም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይኣትው‘ለው።እንተኾነ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስድራ-ቤትን ናይ ቀረባ ኣዕርኽትን ከምኡውን ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃን‘ዮም ክሳተፉሉ።

ቆልዑ ቁኒ ኣብ ቤተ-መዘክር ኔልሰን ማንዴላ ተረኺቦም ንማንዴላ ተሰናቢቶምዎም‘ለው።ማንዴላ ብሕልፊ ንህፃናት ሕልፍ ዝበለ ፍቅሪ ነይርዎም።ህፃናት ንመፃኢት ዝሓሸት ዓለም ቁልፊ‘ዮም ዝብል እምነት ነይርዎም።

ህፃናት ደቡብ ኣፍሪቃ ሞት ማንዴላ ዘጉሂ‘ዩ።ስራሕቱ ግን ዘላዕዕልን ኣብነታዊን‘ዩ ይብሉ።
XS
SM
MD
LG