ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕ ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ለቒቑ


ፖል ማናፎርት ኣቦ መንበር ጎስጓስ ሪፑብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ለቒቑ።

ፖል ማናፎርት ካብ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ጎስጓስ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ መዝነቱ ክለቅቕ ዝኸኣለ ብመለክዒ ህዝባዊ ርእይቶ ድምጺ ዶናልድ ትራምፕ ብምንቁልቋሉን እዚ ድማ ንላዕለዎት ኣባላት እቲ ሰልፊ ኣሻቓሊ ኩነታት ኣብ ምዕዋት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ስለዝፈጠረን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ ዶናልድ ትራምፕ ሓድሽ ላዕለዋይ ፈጻሚ ንጎስጓስ ምርጫ ክመርሕ ብምቑጻሩ ተራ ፖል ማናፎርት ክጎድልዩ ጸኒሑ።

እዚ ከይኣክልፖል ማናፎርት ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዩክረይንን ሩስያን ኣብ ጎድኒ ሩስያ ተጣቢቑ ደው ምባሉ ዘረጋግጹ ሓበሬታታት ኣብ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ብሰፊሑ ክቃልሑ ድሕሪ ምቕናዮም ነዚ ካብ ስልጣኑ ክለቅ ቕ ዘኽኣሎ ውሳነ ደሪኹ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር ኣሎ።

ነዚ ብዝምልከት ካብ ጎስጓስ ምርጫ ዶናልድ ትራም ዝወጸ መግለጺ ከምዝሓበሮ ፖል ማናፎርት ናይ ስልጣን መልቀቒ ሕቶ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ከምዘቕረበን ዶናልድ ትራምፕ ድማ ከምዝተቐበሎን የረድእ።

ትራምፕ: ንፖል ማናፎርት "ሓቀኛ በዓል ሞያ" ክብል ከምዝሞጎሶውን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ፖል ማናፎርት: ካልኣይ ኣቦ-መንበር ጎስጓስ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ንመዝነት ዝለቅቕ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል-መዚ እቲ ጎስጓስ እዩ።

XS
SM
MD
LG