ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ደራሲን ማሞ ውድነህ ዓሪፉ


ስነ-ስርዓት ቀብሩ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍፀም'ዩ

ፍሉጥ ጋዜጠኛን ደራሲን ማሞ ውድነህ፣ሎሚ ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ።

ደራሲ ማሞ ውድነህ፣ኣብ ሙሉእ ዕድሚኡ 53 መፃሕፍትን 8 ንትያትር ዝኾኑ ድርሰትን ዝፃሓፈ‘ውን እዩ።ካብ ሞንጎ ንሱ ዘዳለወን መፃሕፍቲ ገሊኤን፣የኛ-ሰው በደማስቆ፣የበረሃው ተኩላን የካይሮው ጀሮ ጠቢን ዝብሉ ይርከብዎም።

መባእታዊ ቤ/ትምህርቲ ድሒሩ ዝጀመረ ኣቶ ማሞ ውድነህ፣ስሩዕ ትምህርቲ ከይፈፀመ‘ዩ ናብ ሞያዊ መደባት ከምዝተፀምበረን፣ኣብ ጋዜጣታት ፖሊስና እርምጃው፣ ህብረትን የዛሬዪቱ ኢትዮዽያን ሰሪሑ‘ዩ።

ደራሲ ማሞ ውድነህ፣ድሕሪ ውድቀት ሃፀይ ሃይለ-ስላሴ፣ኣብ ኣስመራ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ኢትዮዽያ ኮይኑ‘ውን የገልግል ነይሩ።ብዘይካ‘ዚ ኣቦ-መንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ኢትዮዽያ ኮይኑ ዝሰርሐን ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ዝተቀበለን ፍሉጥ ሰብ‘ዩ ነይሩ።

ወለዲ ማሞ ውድነህ፣ኣብ እዋን ሓሙሽተ ዓመታት ወረራ ጣልያን ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቀትሉ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ደራሲን ጋዜጠኛን ማሞ ውድነህ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍፀም‘ዩ።

XS
SM
MD
LG