ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማልታ ንዘይሕጋዊ ስደተኛታት ከይትጥርዚ ተባሂላ


MALTA
MALTA
ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮዻዊ ሕብረት፣ማልታ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፣ናብ ሊብያ ንክትጥርዞም ሓሲባቶ ንዝነበረ ውጥን ከይትትግብሮ ኣዚዙ።

እቶም ስደተኛታት፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ማልታ ዝኣተው‘ዮም።ሰበ-ስልጣን ኣውሮዻ ንተግባር ማልታ ነቂፎም‘ዮም።ቀ/ሚ ማልታ ግና ነቲ ወቀሳ ኣይተቀበልዎን።

እዚ ምዕባለ‘ዚ ይስማዕ ዘሎ፣ርእሰ-ሊቃነ-ዻዻሳት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ፣ኣብ ማእከል ስዱዳት ላምፕዱሳ ድሕሪ ምብፀሖምን ’ፀረ ስደተኛ ስምዒታት ኣድማሳዊ መልክዕ ይሕዝ‘ሎ” ኢሎም ድሕሪ ምውቃሶምን‘ዩ።

ካብ‘ቶም ናብ ማልታ ዝኣተው ስደተኛታት፣ኣዋርሕ ጥራሕ ዘቁፀረ ህፃን ከምኡውን ንክትሓርስ ዝቀረበት ጓለንስተይቲ ከምዝርከበኦም እቲ ዜና ይጠቅስ።
XS
SM
MD
LG