ኣብ ሰሜን ማሊ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ታውረግ ሎማዕንቲ ዓርቢ ነፃነቶም ኣዊጆም።ኣዝዋጅ ኢሎም ንዝፀውዕዋ ሃገሮም ኣፍልጦ ንኽህባ ንዓለምለኸ ማሕበርሰብ ሓቲቶም ኣለው።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንነፃነት ኣዝዋድ ዝተብሃለ ዓማፂ ምስ ካልኦት ዘዋስንዎም ዶባት ከምዘኽብር ገሊፁ’ሎ።
እቲ ዓማፂ ሸቱአይ ፈፂመ እየ ክብል ቶኽሲ ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ ክብል ትማሊ ሓሙስ ኣዊጁ።
ምስ እስላማዊያን ዕጡቓት ብምትሕብባር ፈጣን መጥቓዕቲ ዝፈነው ዓመፅቲ ታውረግ ንከተማታት ኪዳል፡ጋኦን ቲምቡክቱን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ተቖፃፂሮምወን።
ኣብ ጎኒ እቶም ዓመፅቲ ዝተሰለፈ እስልማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣንሳር ዲን ውግእ ጠጠው ከብል ምዃኑ ንፁር ኣይኮነን።እቲ ምስ ኣልቃይዳ ርከብ ዘለዎ ጉጅለ ኣብ ገለ ከባቢታት እስላማዊ ሕጊ ኣዊጁ’ሎ።
ምንስቴር ወፃኢ ፈረንሳይ ኣሌይን ዡፔ ጉዳይ ዓማፂ ታውረግ ብዝርርብ እምበር ብወታደራዊ ስጉምቲ ኣይፍታሕን ክብሉ ትማሊ ሓሙስ ገልፆም ኣለው።
ንምንፃል ዝውግኡ ዓመፅቲ ታውረግ ዓርሰ ምምሕዳር ንደሊ ኢና ክብሉ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሓቲ ፀኒሖም እዮም።