ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ወታሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ርእሰ-ከተማ ባማኮ ኣብ ቍጽጽሩ ከም ዘላ ገሊጹ


ከተማ ባማኮ ፋይል
ከተማ ባማኮ ፋይል

“ግብረ-ሽበራውያን” ኢሉ ካብ ዝጸውዖም መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመሉ ዝገልጽ ወታሃደራዊ መሪሕነት ማሊ፡ ነቲ ዝተፈተኖ መጥቃዕቲ ኣፍሺሉ እታ ርእሰ-ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ዘላ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ። እቲ ኣብ ልዕሊ መሰልጠኒ ማእከል ሓይልታት ጸጥታት ከም ዝተፈጸመ ዝሓበረ መግለጺ መንግስቲ፡ ገለ ቍልፊ ዝበሎ ቦታታት እታ ከተማ’ውን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ወገናት ወዲቑ ምንባሩ ሓቢሩ።

ብመግለጺ መንግስቲ “ኣሸበርቲ” ዝተሰመየ ፈጸምቲ መጥቃዕቲ መንነቶም ኣይተጸነረን።

ሮይተርስ ንነበርቲ እታ ከተማ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ እቲ ሰሉስ ወጋሕታ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ኣብ ዝቐርብ መሰልጠኒ ማእከል ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ በበይኑ ስፍራታት እታ ከተማ’ውን ምልውዋጥ ተዅሲ ተሰሚዑ’ዩ።

ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለ ኣብ 2012 ኣብ ማሊ ነቒሎም ንሓያሎ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ መጥቃዕቲን መንግስታት ዝዓለወ ስርሒታት ክግብሩ ምጽናሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG