ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን: ጥሩፍ ጉጅለ ማሊ 3.2 ሚልዮን ዶላር ክኽሕስ አዚዙ


ፋይል-ኣሕማድ ኣል-ፋቂ ኣል-ማሕዲ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን
ፋይል-ኣሕማድ ኣል-ፋቂ ኣል-ማሕዲ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን እስላማዊ ጥሩግ ጉጅለ ማሊ ኣብታ ሃገር ንዘመናት ዘጸንሑ ሃይማኖታዊ ህንፃታት ብምዕናው 3.2 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣዚዙ።

ኣሕማድ ኣል-ፋቂ ኣል-ማሕዲ አባላት እዚ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ 2012 ዓ.ም ንሰሜን ማሊ ንሓፂር ግዜ ኣብዝተቖፃፅሩዋ እውን ኣብ ጥንታዊ ከተማ ዝነበሩ ትሽዓተ ህንፃታትን መስጊዳትን ብቡልዶዘር ክፈርሱ ኣዚዙ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ጥሩፍ ጉጅለ ማሊ ናይ 3.2 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል አዚዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:11 0:00

እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ዕንወት ሃይማኖታዊ ትካላት ከም ገበን ኲናት ብምትእንጋድ ኣል-ማሕዲ ንትሽዓተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱ።

እቶም ናይ እምነት ህንፃታት ብ14 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሑን ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ቅርስታት/ዩኔስኮ/ ናይ ዓለም ቅርሲ ኢሉ ዝመዝገቦም ኮይኖም ዩኒስኮ ድሒሩ ነቶም ሓውልትታት ከምዘሕደሶም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG