ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ፡ ናብ ኣውሮጳ ንዝስደዱ ሶርያዊያን ስደተኛታት መሰጋገሪ ቦታ ትኸውን


ጀማል ምስ ወዱ
ጀማል ምስ ወዱ

ካብ ብኹናት ዝዓነወት ሶርያ ንዝስደዱ ሶርያዊያን ስደተኛታት ዝነበረ ካልእ መሰጋገሪ መንገዲ’ውን ይዕጾ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ’ዩ። ማውሪታንያ ሓንቲ ካብተን ክሳብ ሕጂ ሶርያዊያን ስደተኛታት ብነጻ ክትቕበል ዝጸንሐት ኮይና ካብ ወርሒ የካቲት ኣትሒዛ ግን ናብ ሃገራ ዝኣትው ስደተኛታት ቪዛ ክትሓትት ጀሚራ’ላ።

ብተወሳኺ ሰበ-ስልጣን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ነቲ ንምድረ በዳ ሰሃራ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝካየድ ዋሕዚ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንምግታእ ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጹ።

ጀማል ኣሕመድ ንዓርኹ ካልድ ኣብ ዋትስ ኣፕ ደዊሉ ኣበይ ከምዘሎ ይሓቶ። ክልቲኦም እዞም ውልቀ-ሰባት ኢዲሊብ ካብ ዝተባህለት ከተማ ሶርያ’ዮም። ካልድ ጀርመን ኣትዩ’ዩ፡ ከማል ድማ ኣብቲ ክልቲኦም ስድራ ብሓባር ዝነብርሉ ዝነበረ ዝተጨናነቀ ህንጻ ከተማ ባማኮ’ዮ ዘሎ። ጀማል ኣብ ማሊ ክንዲዚ ጊዜ ክጸንሕ ኣይመደበንን።

ቀጻሊ ምቁራጽ ኤሌትሪክን ሙቀትን ንመነባብሮኦም ከምዘክበዶ ይገልጽ። ምስኡ ዘለዉ ሽዱሽተ ደቁ ብተደጋጋሚ ከምዝሓሙ ወዲ 10 ወርሒ መሓመድ ወዱ ድማ ትሕቲ 5 ኪሎ ከምዝምዘንን ብተደጋጋሚ ዓሶ ከምዝሓመመ ድሕሪ ምግላጽ ገንዘብ እንተዝህልዎ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ወጺኡ ከምዝከይድ ይሕብር።

እንተኾነ ግን ካብ ሰሜናዊ ማሊ ናብ ኣልጀርያ ኣብ ዝተጨናነቀ መካይን ዝካየድ ጉዕዞ ብዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ ከይፍጽም ደቁ ከይሓምዎ ከምዝሰግእ’ውን ወሲኹ ይገልጽ ።

ካልድ ናብ ስፔን ከተማ መሊላ ንምብጻሕ ዝተጉዓዞ ጉዕዞ እዚ ምካኑ ካብኡ ብሰሜናዊ ሞሮኮ ኣቢሉ ናብ ስፔን ብጀልባ ከምዝሰገረ ጀማል ይገልጽ።

እዚ ነዊሕ፡ ኣድካምን ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ጉዕዞ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዝሒ ስደተኛታት ዝጉዓዝሉ መንገዲ ኮይኑ’ሎ።

ገንዘብ ዘለዎም ሶርያዊያን ስደተኛታት ናብ ቱርኪ ወይ ሊባኖስ ብነፋሪት ይኸዱ’ሞ ካብኡ ናብ ዋና ከተማ ማውሪታንያ ናኡቾሎት ብነፋሪት ይቕጽሉ። ካብኡ ናብ ማሊ ብኣውቶቡስ ይጉዓዙ። ዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ ድማ ብመንገዲ ምድረ-በዳ ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ የብጽሕዎም። እዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣፍሪቃዊያን ንነዊሕ ግዜ ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ኮይኑ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣስታት 300 ዶላር የክፍል።

ሰበ-ስልጣን እዘን ሃገራት ሶርያዊያን ስደተኛታት ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎምን ብተደጋጋሚ በዚ መንገዲ ከምዝጉዓዙ ይገልጹ።

ኣብ ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ጨንፈር ማሊ ሰራሕተኛ ዝኾነ ባከሪ ዶዮምባ ቁጽሪ’ቶም በብጊዚኡ ማሊ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዘይፍለጥ ይገልጽ።

‘ ኣቦ፡ ኣደን ቆልዑት ኮይኖም ብሓባር ክጉዓዙ ትርእይ። መጀመርያ ናብ ማሊ ዝኣተው 36 ሰባት ኮይኖም ኩሎም ፓስፖርትን ትራንዚት ቪዛ ዘለዎምን እዮም ኔሮም። እቶም ካልኦት ግን ቁጽሮም ክንፈልጦ ኣይከአልናን ምክንያቱ ብከተማታት ኣይኮኑን ዝኣትው ዘለዉ፡ ብጠቅላላ ዓበይቲ ከተማታት ገዲፎም ብበረኻን ምድረበዳን እዮም ናብ ማሊ ዝኣትው ዘለዉ።’

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ሰበ-ስልጣን ማውሪታንያ መእተዊ ቪዛ ምሕታት ብምጅማሮም ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ከተማ ናኡቾሎት ዝኣትው ቁጽሪ ሶርያዊያን ስደተኛታት ይንኪ'ሎ ።

ማሊ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ን 92 ሶርያዊያን ዑቁባ’ካ ተሃበቶም ክሰርሑ ዘፍቕድ ግን ኣይኮነን።

ጀማል ኣብ ማሊ ምጽናሕ ዝምረጽ ከምጸይኮነን ናብ ጀርመን ንምኻድ ኹሉ ግዜ ከምዝሓስብን’ዩ ዝገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ማሊ፡ ናብ ኣውሮጳ ንዝስደዱ ሶርያዊያን ስደተኛታት መሰጋገሪ ቦታ ትኸውን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:03 0:00

XS
SM
MD
LG