ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማዊት እመቤት መላኒያ ትራምፕ በዓል ቤተን ካልኣይ ዕድል ክወሃቦም ተመሕፂነን


ቀዳማዊት እመቤት መላኒያ ትራምፕ ኣሜሪካዊያን ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንካልኣይ ናይመዝነት ዘመን ዕድል ክህቡዎም ምሕፅንታ ኣቕሪበን።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ንዝፀንሐ ባህሊ ዕሽሽ ብምባል ንትራምፕ ብምድጋፍ ካብ ዝገሽሉ እየሩሳሌም መደረ ኣስምዒኦም።

ሶዝ ጋርደን ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ክፋል ዋይት ሃውስ መደረ ዘስምዓ ቀዳማዊት እመቤት መላኒያ ትራምፕ ንኣድመፅቲ ዘገድሱ ቀንዲ ዛዕባታት ብምልዓል በዓል ቤተን ካልኣይ ዕድል ክህቦም ንኣመሪካዊያን ንምእማን ’’ዶናልድ በዚ ጨካን ለበዳ ንዝተጎድኡ ኩሎም ንምሕጋዝ ኩሉ ዝክኣሎክሳብ ዝፍፅም ዕረፍቲ የብሉን’’ኢለን።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ሰራሕተኛታት ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ወፃኢ ሃገር ኮይኖም ግልፂ ውግንና ከይገብሩ ንዝኽልክል ፕሮቶኮል ብምጥሓስ ካብ እዮርሳሌም መደረ ኣስሚዖም።

‘’እቶም ፕረዚደንት ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብታ ናይ እግዚኣብሄር ከተማ፣ ትኽክለኛ ማእኸልመቦቀል ኣይሁዳዊነት ናብ ዝኾነት ከተማ እየሩሳለም ወሲዶምዎ’’ኢሎም።

ትራምፕ ኣብ መንጎ ሕቡራት ዓረብ ኤሜረትስን እስራኤልን ርክባት ናብ ስሩዕ ምምላሱ ኣብቀረባ ምግላፆም ፖምፒዮ ኣስሚረምሉ ኣለው።

ፖምፒዮ ብምውሳኽ ቅድሚ ኩሉ ኣሜሪካ ዝብል ናይ ትራምፕኣስተምህሮ ወይ መትከል ንመረፅቲ ኣዘኻኺሮም።

ዶናልድ ትራምፕ ጁኒየር ብቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣሕዋቱ ኤሪክን ተፋኒን ድማ ትማሊ ሰሉስ ንናይ ኣቡኦም ዓወታት ዘርዚሮም።

ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ምሸት ኮንቨንሽን ልግስ ንዝብልሉ ሕሉፍ ልምዲብምጥሓስ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ምሸት እውን ኣብቲ ናይ ዋይት ሃውስ ስነስርዓት ተሳቲፎም።

ጥቡቕ ፖሊስታት ኢምግሬሽን ዘለዎም ትራምፕ ንስነስርዓት ቃለ መሓላ ዜግነት ሓሙሽተ ሓደሽቲ ኣሜሪካዊያን ብኣካል ተዓዚቦም። እዚ እውን ኣብ ታሪኽ ጉባኤ ፓርቲ ንፈለማ ግዜ እዩ።

‘’ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ኣዚዩ ልዑል ሽልማት፣ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ፣ዝኸበረን ብዋጋ ዘይትመንንኣሜሪካዊ ዜግነት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ርስቲ ወኒንኩም ኣለኹም’’ኢሎም።

ፕረዚደንትታት ነበር ባራክ ኦባማ፣ ቢል ክልንቴንን ጂሚ ካርተርን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ዴሞክራቲክ ፓርቲ መደረ ኣብ ዘስምዕሉ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብዚ ናይ ሪፓብሊካዊያን ጉባኤ መደረ ከስምዑ እንተኾይኖም ኣይተጠቐሱን።ንሶምን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝሓለፉ ወላዲ ኣቡኦም ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ኤች ዳብሊው ቡሽን እውን ኣብ ናይ 2016 ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ መደረ ኣየስምዑን።

ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ሎሚ ረቡዕ ንሕፀ ፓርቶም ብወግዒ ብምቕባል መደረ ከስምዑ እዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG