ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኣምስተርዳም ሆላንድ ናብ ኩላልምፑር ማሌዥያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ማሌዥያ ኣብ ምብራቃዊ ኡክረይን ከምዝተሓምሸሸት ሚድያታት ሩስያ ኣፍሊጠን።

ኣብ ትዊተር ዝተፈነወ‘ቲ ሪፖርት፣እታ ካብ ኣምስተርዳም ዝተበገሰት ነፋሪት ኣብ ሰማያት ኡክረይን ርክብ ኣቋሪፃ ይብል።ኣብ‘ታ ነፋሪት 280 መንገደኛታትን 15 ሰራሕተኛታት‘ታ ነፋሪትን ነይሮም።

ባዓል ስልጣን ኡክረይን ግና፣እታ ነፋሪት ካብ መርየት ብዝተተኮሰ ሚሳይል‘ያ ተወቂዓ ኢሎም‘ለው።

ቅድሚ‘ዚ ሓደጋ‘ዚ፣ምስ ሩስያ ዝውግኑ ደባይ ተዋጋእቲ ኡክረይን ንሱ-25 ነፋሪት ኡክረይን ወቂዕና ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።እንተኾነ ፓይለት‘ታ ነፋሪት ብሰላም ነታ ነፋሪት ከምዘዕረፋ እቲ ዜና ይሕብር።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ነፋሪት ሩስያ ንሱ-25 ነፋሪት ኡክረይን ከምዘውደቀት ሰራዊት ኡክረይን ኣፍሊጡ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG