ማሌዢያ ሓድሽ ዝተረኸበ ናይ ሳተላይት ሓበሬታ እታ ዝጠፍአት ናይ ተሳፈርቲ ጄት ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ውቅያኖስ ምሕምሻሻ ዝሕብር እዩ ኢላ።
ቀዳማይ ምንስቴር ማሌዢያ ናጂብ ራዛክ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብመሰረት ናይ ብሪታኒያ ኩባኒያ ዝተኣከበ ናይ ሳተላይት ሓበሬታ ቁፅሪ በረራ 370 መጎዓዚያ ነፋሪት ማሌዢያ ኣብ ምዕራብ ፐርዝ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ቦታ ኣብ ማይ ምእታዋ ይሕብር ኢሎም።
ወዳእታ ቁፅሪ በረራ MH370 ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ውቅያኖስ ምዃኑ ብዓሚቕ ሓዘንን ጣዕሳን እዩ ኢሎም።
ብዛዕባ ዕፃ ካብ ኩዋላ ሉምፑር ናብ በጂንግ ትጉዓዝ ዝነበረት Boeing 777 ዝዓይነታ ነፋሪት ንስድራ ኣብታ ነፋሪት ተፃዒኖም ዝነበሩ 239 ስባት ከምዝተነገሮም እቶም ቀዳማ ምንስቴር ገሊፆም።
ንሶም ነዚ መግለፂ ዝህቡ ዘለው መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራሊያ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ውቅያኖስ ብነፋሪት ንዝተርኣዩ ዝተሰባበሩ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ንምርካብ ትፍትን ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ።