ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰያት ማላዊ ኣብ እስራኤል ንዝተፈጥሩ ዕድላት ስራሕ የለዓዕሉ


መንእሰያት ማላዊ ኣብ እስራኤል ንዝተፈጥሩ ዕድላት ስራሕ የለዓዕሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00

መንእሰያት ማላዊ ኣብ እስራኤል ንዝተፈጥሩ ዕድላት ስራሕ የለዓዕሉ

መንእሰያት ማላዊ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 እስራኤል ንዝፈጠረቶም ዕድላት ስራሕ ሕርሻ ንኽሳተፉ ንመንግስቶም ይምሕፀኑ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሚያዝያ 2024 ኣስታት 3- ሽሕ ማላውያን መንእሰያት ኣብ ሕርሻታት እስራኤል ንኽሰርሑ ዘፍቅድ መዘክር መረዳእታ ተፈራሪመን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት መንእሰያት ማላዊ ነቲ ናብ እስራኤል ዝካየድ ጉዕዞ ብዝምልከት ንዝተፈጥረ ምድንጓይ ስዒቡ ቁጠዐኦም ዝገልፁ ተቃውሞታት ኣካይዶም ነይሮም። ዛጊድ ናብ 2-ሽሕ ዝኾኑ መንእሰያት ቅጥዒ መመልከቲ መሊኦም እዮም። ታፕሶን ማጋንጋ ሓደ ካብቶም ስግኣቶም ዝገልፁ መንእሰያት እዩ።

“ተደጋገሞም ብንሰምዖም ናይ ተስፋ ቃላት ደኺምና ኢና። ካብኡ ተበጊስና ኢና ምናልባት ኣብ ክንዳና ኮይኑ ጥርዓና ናብ ፕረዚደንት እቲ ግዝኣት እንተኣብፀሓልና ኢልና ናብዚ ኮምሽነር ክፍለ ግዝኣትዝመጻና። ኣብ ጭንቀት ከም እንርከብ ነቶም ፕረዚደንት ከረድኡልና ዝኽእሉ ካልኦት መገድታት ኢና ንፍትን ዘለና።:

ገለ ስድራ ናይቶም ናብ እስራኤል ከይዶም ክሰርሑ ፍቃደኛታት ዝኾን መንእሰያት ከምዝብልዎ ናብ እስራኤል ከይዶም ምስርሖም ካብ ቁጠባዊ ረብሕኡ ወፃኢ ኣብ ሕርሻ ማላዊ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ዓቕሚ ከጥሪ ተስፋ ከምዝገብሩ ይዛርቡ።

ማእከል ሰብኣዊ መሰላትን ተሃድሶንመንግስቲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግልፂ ክኸውንን ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ መዘክር ድማ ናብ ህዝቢ ከቕርቦ ሓቲቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG