ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማላዊ ሬሳ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝተባህሉ ዝሓወሰ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካባ ኣፍሊጣ


ማላዊ
ማላዊ

ማላዊ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተጠርጠሩ ሬሳ 25 ሰባት ዝሓወሰ ጀምላዊ መቓብር ረኺበ ኢላ።ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ፒተር ካላያ ትማሊ ረቡዕ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ከምዝበሎ “እቲ ናይ ጅምላ መቓብር ትማሊ ሰሉስ ኢና ረኺብናዮም ንሕና ግን ሎሚ ኢና ክንኩዕት ጀሚርና 25 ሬሳታት ድማ ረኺብና”ኢሎም።

ካብ ርእሰ ከተማ ማላዊ ሊሎንግዌ ንኣንፈት ሰሜን 250 ኪሎሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ መዓር ኣብ ዝእክብሉ እዋን ነቲ ሬሳ ምርካቦምን እቶም ኣስከሬናት ኣብ ቀረባ እዋን ምናልባት ካብ ሓደ ወርሒ ዘይነውሕ እዋን ዝተቐበሩ ሓደስቲ ሬሳታት ምኻኖምን ፖሊስ ሓቢሩ'ሎ።

“ብማላዊ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰግሩ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ንግምት” ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ወሲኾም ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ ኾይኖም ዕድመኦም ካብ 25 ስጋብ 40 ዝግመት ምዃኑ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ከምዘመላኽት ገሊፆም። እቶም ተኻዒቶም ዝወፁ ኣስከሬናት ንዝበለፀ ምርመራ ምውሳዶም ሓቢሮም።

ማላዊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሕቡእ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰግሩላ መተሓላለፊት እያ።

መብዛሕትኡ ጊዜ ፖሊስ ብሞዛምቢክ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዝጉዓዝሉ እዋን ስደተኛታት ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን ከምዝሕዙን ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራሕ 221 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓሉ ኮይኖም ካብኣቶም አቶም 186 ኢትዮጵያውያን እዮም።

ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ማላዊ ኖማጉጉ ንኪብ ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ ክስተት መረዳእታ የተኣኻኽቡ ምህላዎም ዝገለፁ ኮይኖም እዚ ቀፃልነት ዘለዎ ሞት ስደተኛታት ዘተሓሳስብ ብምኻኑ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሑ መንግስታውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ኩሎም ስደተኛታት ሕጋዊ መሰጋገሪ ዝረኽብሉ ኣገባብ ከመዓራርዩ ፀዊዕም።

XS
SM
MD
LG